ኣብ ደቡባዊ-ምዕራብ ኤርትራ ንዝህሉ ዕቚር ወርቅን ክቡር ሓጻዉንን ክድህስስ ኣብ 2018 ፍቓድ ዝረኸበ ካናዳዊ ኩባንያ ኣልፋ፡ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ከባቢ ኣቡርና ናይ ንኡስ-ዞባ ጎኘ ወርቂ ከምዝረኸበ ድሕሪ ምሕባሩ ከሰላስሎ ኣብ ዝጸንሐ ናይ ዳግመ ምርግጋጽ-መስርሕ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣካፊሉ ኣሎ።
እቲ ኩባንያ ዝበለጸ መረዳእታ ንምሓዝ ኣብ ሸነኽ ሰሜናዊ ምብራቕ ናይ’ቲ ፕሮጀክት ካብ ዝዃዓቶም ተወሰኽቲ ጐዳጒዲ ንዓቐን ትሕዞ ወርቂ እቲ ከባቢ ዝምስክሩ መርትዓታት ከምዝረኸበ ገሊጹ ኣሎ። ብመሰረት ሓበሬታ እቲ ኩባንያ ዛጊት ኣብቶም ካብ 3 ክሳብ 9 ሜትሮ ዝተዓሞቚ ጐዳጒዲ፡ ካብ 6 ክሳብ 53.39 ግራም ወርቂ ኣብ ቶን ሓመድ ዝግመት ትሕዞ ከምዝተመዝገበ ክርዳእ ተኻኢሉ ኣሎ። እዚ ድማ፡ ኣብቲ ንዳህሳስ ተሓዚኡ ዘሎ ከባቢ ክሳብ 158 ግራም ወርቂ ኣብ ቶን ሓመድ ክርከብ ይኽል እዩ ንዝብል እመታ እቲ ኩባንያ ዝድግፍ ከምዝኾነ ይሕበር።
“ከርካሻ ፕሮጀክት” ኣብ ዝሰመዮ ወፍሩ ዳህሳሳዊ ንጥፈታት ኸቃንዕ ዝርከብ እቲ ኩባንያ፡ ካብ 2018 ጀሚሩ ኣብ’ቲ ን771 ትርብዒት ኪሎሜተር ዝግተር ፕሮጀክት ፡ ወርቂ ክህልዎም ንዝኽእል ከባቢታት ኣብ ምድህሳስን ኣብ ምሕዛእን ከምዝጸንሐ ፣ ኣብ’ዚ ናይ ከባቢ ኣቡርና ናይ ፈለማ ገጽ ድህሰሳኡ ድማ – ካብ’ተን ትሕዝቶ ወርቂ እቲ ከባቢ ንምርግጋጽ ኢድ ኣመልኪቱለን ዝነበራ 19 ከባቢታት እተን 17 እወታዊ ዉጽኢት ከምዝረኸበለን ዝሓልፈ ዓመት ሓቢሩ ኔሩ።
እቲ ናይ ዳህሳስ ኩባንያ፡ ስራሑ ካብ ዝጅምር ድሮ ኣብ ዝተፈላለዩ ሸነኻት ዓናጉሉን ተሎግመጃን ተመሳሳሊ ውጽኢት ከምዘቃንዐ ይፍለጥ።
ከባቢታት ኣቡርና፡ ዓናግሉን ተሎግመጃን ገለ ካብቶም ኣብ እዋን መግዛእቲ ጥልያን ዳህሳስን መጽናዕትን ተኻይድሎምን መባእታዊ ዕደና ተጀሚርሎምን ነይሩ ዝበሃሉ ሸነኻት ደቡባዊ ምዕራብ ኤርትራ ኮይኖም፡ ነበርቲ እቶም ከባቢታት እዉን ኣብ ያታዊ ዕደና ኪወፍሩ ይረኣዩ ምንባሮም ይንገር።
ከም ኣብ ኩሎም መዳያት ንዕደናን ሃገራዊ ግምጃን ኣመልኪቶም ብዛዕባ ዝእተዉ ዉዕላት ንህዝቢ ዝኾነ መግለጺ ኪህብ ዘይፈቱ ጉጅለ ህግደፍ ካብ 1997 ጀሚሩ ብምስጢር ካብ ዝስረሓሉ ዘሎ ጽላት ዕደና ዝረከብ ልዑል መጠን ገንዘብ ናበይ ከምዘብል ዝፈልጡ – መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ከምኡ’ውን ሓለፍቲ ፖለቲካዊን ቊጠባዊን ጉዳያት ህግደፍ ጥራይ ከምዝኾኑ ይሕበር።
ንሃገራዊ ግምጃ ኤርትራ ብከዉሊ እንዳዘረፈ እገዳን ግዳማዊ ተጻብኦን ዝብሉ ብሉያት ምኽንያታት ብምድግጋም ንህዝብና ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ሕሰም ሸሚሙ ዘሳቒ ዘሎ ህግደፍ ኣብ 2022 ካብ ሰደድ መዓድናት ጥራይ ልዕሊ 700 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ኣታዊ ከምዝገበረ ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ ዝሓለፈ ወርሒ ጸብጺቡ ኔሩ። ብመሰረት ጸብጻብ እቲ ባንክ ብዘይካ ናይ 2022 ህግደፍ ካብ መሸጣ መዓድናት ሃገርና ኣብ 2019 እዉን ልዕሊ 760 ሚልዮን ዶላር ኣብ 2021 ድማ ልዕሊ 660 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ኣታዊ ገይሩ ነይሩ።
“ኣጊዶምናን ተጻቢኦምናን” እንዳበለ ንህዝቢን ሃገርን ኣብ ናይ ድሕረት ድሕረት ኣትሪፉ ዘሎ ህግደፍ ብዘይካ’ተን ናይ ለበዳ ኮቪድ ዓመታት ኣብ ዓመተ 2019፡ 2021ን 2022ን ጥራይ ብጠቕላል ልዕሊ 2 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ካብ መሸጣ ዕደና ከምዝተቀበለ እዩ ጸብጻብ ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ ዘረድእ ።
መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ቃለመሕትቱ ካብ 2010 ጀሚሩ ካብ ጽላት ዕደና ዝተረኽበ ኣታዊ ኣኽሳቢ ከምዘይነበረ ጠቒሱ ኣብ መጻኢ ግን መምሃሪ ኮይኑና ኣሎ ክብል እዩ ብዘይሕንከት ተዛሪቡ። ኣብ ዉሽጢ እዘን ዝሓለፋ ሰለሰተ ዓመታት ልዕሊ 2 ቢልዮን ዶላር እንተተረኺቡ፡ ኣብ ዝሓለፉ ልዕሊ 10 ዓመታት ክንደይ ቢልዮናት ዶላር ናብ ኢድ ህግደፍ ኣታዊ ኮይኑ ከምዘሎ ንምግማቱ ኣየሸግርን።
ኣማኻሪ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ኣቶ የማነ ገብረኣብ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ናይ’ዚ ዓመት ምስ ሓንቲ ‘ብላክ ኣጀንዳ ሪፖርትፕ’ ዝስማ ማዕከን ሓበሬታ ኣብ ዘቃንዖ ቃለምልልስ፡ እገዳታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ቊጠባ ኤርትራ ከቢድ ሃስያ ከምዘብጽሐ ድሕሪ ምምዳሩ “ዓለማዊ ንግዲን ወፍሪን ደኣ እንታይ ኮይኑ ኣብ ኤርትራ ባይታ ስኢኑ?” ንዝብል ሕቶ “ኩለን ኣህጉራዉያን ትካላት ንኣመሪካ ፈሪሐን ኣብ ኤርትራ ወፍሪ ኪገብራ ኣይመረጻን” ክብል መሊሱ ነይሩ ። እዘን ኩለን ኣብ ጽላት ዕደና ኤርትራ ወፊረን ንጉጅለ ህግደፍ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላር ዝገዝማ ዘለዋ ኩባንያታት ወጻኢ ደኣ ብኸመይ ይነጥፋ ኣለዋ ንዝብል ግድል ግን ኣቶ የማነ ኣብ’ቲ ሽዑ ኪዛረበሉ ኣይመረጸን።