መንግስቲ ኢትዮጵያ ንጸጥታን ድሕነትን ባሕሪ ኣብ ዝዓለሙ ኣህጉራዉያን ዋዕላታት ኪሳተፍ ይርአ ኣሎ። እዚ ዝተፈልጠ  ወኪል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ’ቲ ካብ 14 ክሳብ 17 ሕዳር ኣብ ማውሪሸስ ዝተቓንዐ ሳልሳይ ኣህጉራዊ ዋዕላ ጸጥታን ድሕነትን ባሕሪ ንመጀምርያ እዋን ከምዝተሳተፈ ድሕሪ ምርግጋጹ እዩ።

ኣብቲ ንጸጥታዊ ኣከባብያዊን ንግዳውን ዋሕሳት ባሕሪታትን ዉቅያኖሳትን ዓለምና ዘተኩር ዋዕላ ሓያለ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይውንና ሃገራት ዝሳተፍኦ’ኳ እንተኾና ፈላሚ ተኣፎ ኢትዮጵያ ግን ነቲ እታ ሃገር ኣብ ጉዳይ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ኣንቂላቶ ዘሎ ዘይንጹር ወፍሪ ተሰማዕነትን ኣድህቦን ንምርካብ ኪኸዉን ከምዝኽል ይግመት።

ወኪል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዋዕላ ሃገሩ ኣስታት 95 ሚታዊት ካብቲ ናብ ሃገር እተእትዎም ኣቕሑ ብመንገዲ ባሕሪ ምዃኑ ብምጥቃስ ጸጥታን ድሕነትን ባሕርታትን ዉቅያኖሳትን ዓለምን ብፍላይ ድማ ቀይሕ ባሕሪ ህንዳዊ ውቅያኖስን መጻብብ ባብ-ኤል መንደብን ኣዝዩ ከምዘገድሳን ዕሽሽ ክትብሎ ከምዘይትኽልን እዩ ገሊጹ።

መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ምስ ባሕሪ ዝተኣሳሰሩ ሓያለ ጸጥታዊን ቊጠባዊን ወፍርታት ከበግስ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኾይኑ ምምስራት ሓይሊ ባሕሪ ከምኡ’ዉን ምጅማር ውሁድ ሃገራዊ ሰመያዊ ቊጠባ ኣብ ጉዳይ መጓዓዝያ ባሕሪን ገለ ከም ኣብነታት ክጥቀሱ ይኽእሉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ልዕሊ ዝኾነ ሃገራዊ ጉዳይ ሰሪዕዎ ምህላዉ ካብቶም ዘካይዶም ዘሎ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታት እዉን ንምግማቱ ዘጸግም የለን። ሰብ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዘዝተሳተፍዎም ኣህጉራዊ መድረኻትን ኣብ ዘዘቃንዕዎም ዲፕሎማስያዊ ርክባትን  ኢትዮጵያ መስኰት ባሕሪ እንተዘይረኺባ ንከይትመዉት ክትብል ዝኾነ ኣማራጺ ክትወስድ ኽትግደድ ምዃና ዘመላኽቱ መግለጺታት ይደጋግሙ ከምዘለዉ እዉን ይሕበር።

ኢትዮጵያ ናብ ደንበ BRICS ትጽንበር ምህላዋ፡ ነቲ “እታ ሃገር ግድን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ባዕላ እትዉንኖ ኣፍደገ ክህልዋ ኣለዎ” ዝብል ሕልሚ ዓጸፋ ዝደፋፍእ ከምዝኸውን እዉን ኽንገልጽ ቀኒና ኢና። “ናብ ሓደ ገዚፍ ቊጠባዊ ደንበ እንዳተጸንበርካ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብልካ ኣዝዩ ክኸብድዩ” ዝብል ምዕዝምዛማት ኣብ ዉሽጢ ሰልፊ ብልጽግና ይንህር ከምዘሎ እዉን ይፍለጥ።

ካብ ወግዓዉያን መግለጺታት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ጀሚርካ ክሳብ ላዕለዎትን ታሕተዎትን መሪሕነት ፈደራላዊ መንግስቲ፡ ንዋንነት ወደብ ዓሰብ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝሓለፎ ድፍረት ብዙሕ ዘረባታት የምልቚ ከምዘለዉ ዝግለጽ ኮይኑ ብፍላይ እቲ ወደብ ዓሰብ ብሕጋዊ ወይ ድማ ብሓይሊ ናይ ምዉናን ሓሳብ ከም ዘየሕፍር ተወሲዱ ኣሎ።

ድሕሪ 32 ዓመታት ዳግማይ ተሰሪዑ ብወግዒ ቆይሙ ዝበሃል ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓዉድታት ሓደስቲ ኣባላት የሰልጥንን ዝኣረጉ መራኽብ ፈጣናት ጀላቡን ኣጽዋርን ብሓገዝ ሩስያ ዘመናዊ መላጒም እንዳተሰዂዐሎም ንስራሕ ድሉዋት ይግበር ምህላዉን ይፍለጥ።