ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ 140 ነፈርቲ ዝውንን መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ተወሰኽቲ 84 ሓደስቲ ነፈርቲ ንኽሽምት ዘኽእሎ ዉዕል ከምዝኸተመ ዋና ዳይረክተር እቲ መንገዲ ኣየር ኣቶ መስፍን ጣሰው ሓቢሩ።
ብመሰረት ሓበሬታ እቲ ዳይረክተር እቲ መንገዲ ኣየር ኣህጉራዊ ተወዳዳርነቱ ንምርግጋጽ ክሳብ 2035 ተሊምዎ ብዘሎ ሸቶ ንምዕዋት 67 ቦይንግ 17 ድማ ኤየርባስ ዝዓይነተን ነፈርቲ ጠሊቡ ከምዘሎ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
እተን ክውሰኻ ተጠሊበን ዘለዋ 84 ነፈርቲ ኣብ ንስፍሓት ጽፈትን ተወዳዳርነትን ኣገልግሎት እቲ መንገዲ ኣየር ልዑል ጽልዋ ከምዝህልወን እዩ ኣቶ መስፍን ዝሕብር።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪቃ ምስ ቀዳሞት ዝጥቀስ ኮይኑ ብስንኪ እታ ሃገር ከቢድዋ ዘሎ ቊጠባዊ ቅልውላዉ ብደረጃ ዓለም ኣብ 2022 ወኒንዎ ዝነበረ መበል 22 ደረጃ ኣብዚ ዓመት እዚ ናብ መበል 35 ወሪዱ ከምዘሎ ይፍለጥ።
እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ ዓመተ 2035 ብዝሒ ዝውንነን ነፈርቲ ናብ 271 ንምብራኹ መደብ ሒዙ ይሰርሕ ከምዘሎ እዩ ዝሕበር።