ኢትዮጵያን ጂቡቲን ኣብ ጸጥታዊ መዳያትን ተዛመድቲ ጉዳያትን ሓቢሮም ክሰርሓ ዝድርኽ ናይ መርድዳእ ሰነድ ከቲመን። ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ዝጀመረ መበል 10ይ ኣኼባ ሓባራዊት ሽማግለ ሰብመዚ ምክልኻል ኣብ ከተማ ጂቡቲ ክዝትዩ ድሕሪ ምቕናዮም እዩ እቲ ምርድዳእ ተበጺሑ።
ብርጋዴር ጀነራል ተሾመ ኣናገው ምስ ጂቡታዊ መዘናኡ ጣሂር ዓሊ መሓመድ ኣብ ዝተፈላለዩ ጸጥታዊን ወተሃደራዊን ሸነኻት ምዝታዮም ክፍለጥ እንከሎ እዚ ተበጺሑ ዘሎ ምርድዳእ ነቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ ዞባ ኣንቂላቶ ዘላ ናብ ኤርትራ ዘነጻጸረ ሕቶ ዋንነት ባሕሪ ድርዒ ንምውሓስ ተሓሲቡ ተበጺሑ ኸይከዉን ግምታት ኣሎ።
መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመደ ኣብ ጽዑቕ ዞባዊን ኣህጉራዊን ዲፕሎማስያዊ ዘመተ ተጸሚዱ ከምዘሎ ዝግለጽ ኮይኑ ህግደፍ እዉን ብተመሳሳሊ ምስ ሃገራት ኣዚ ዞባን ስግር ቀይሕባሪን ዝጸንሖ ዝምድና ንምሕያል ሓለፋ ካልእ እዋን ይሰርሕ ምህላዉ ይንገር።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብቲ ኣብ በርሊን ብሰኑይ ዝተቓንዐ ንገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘጻመደ ዋዕላ ንግዲን ወፍሪን ተረኺቡ ምስ መራሕቲ ጀርመን ፈርንሳን ካልኦት ሃገራትን ተራኺቡ ብዛዕባ ዑቑር ንግዳዊ ጸጋታት ኢትዮጵያን ብሰሪ መስኰቲ ባሕሪ ተደሪቱ ዘሎ ዕድላትን ኪተናኽፍ ከምተሰምዐ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ህግደፍ ምስ ሶማል ኪጽዕረሉ ዝጸንሐ ዲፕሎማስያዊን ጸጥታዊን ምትእምማን ናብ ዝለዓለ ብርኩ ኣደዪቡ ድሮ ፈላሚ ኣምባሳደር ሶማል ኣብ ኤርትራ ተቐቢሉ ምህላዉ ይንገር። ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ብፍላይ ምስተን ብኢትዮጵያ ዝተወሰደና መሬት ኣሎ ኢለን ዝሕርቅማ ሶማልን ኬንያን ተቓሪቡ ይሰርሕ ከምዘሎ እዉን ይንገር።
መራሒ ህግደፍን ቀዳምይ ሚኒስተር ኣብይን ልዕሊ ካልእ እዋን ኣብ ስግኣት ኣትዩ ንዘሎ መንበረ ስልጣኖም ንምድሓን ሓድሽ ወተሃደራዊ ወጥሪ ኪኽሰት ይገብሩን ንኲናት ይህንጠዩን ከምዘሎ ካብ ምንቅስቓሳቶም ንምርዳኡ ኣየጸግምን።