ንሰለስተ ርእሰ ከተማታት ካብተን ኣብ ዞባ ዳርፉር ዝርከባ 5 ንኡሳን ዞባታት ተቘጻጺሮም ከምዘለዉ ዝሕብሩ ሓይልታት ዳዕመልሰሪዕ ንርእሰከተማ ምብራቓዊ ዳርፉር ዝኾነት ኣል-ዴዪን ንምሓዝ መጥቃዕቲ ከምዝጀመሩ ሱዳን ትሪቡን ንምንጭታት ብምጥቃስ ሓቢሩ።

ኣብ ሞንጎ ሰራዊት መንግስትን ሓይልታት ዳዕመልሰሪዕን ኲናት ካብ ዝጅምር ኣብ ዝተዛመደ ርግኣት ኣብ ዝጸንሐ ምብራቓዊ ዳርፉር ብሰኑይ 20 ሕዳር ሓድሽ ግጭት ጀሚሩ ከምዘሎን ነበርቲ ከተማ ኣል-ዱዩን ብልዑል ቊጽሪ ይመዛበሉን ምህላዎምንዩ እቲ ሓበሬታ ዘረድእ።
ሓይልታት ዳዕመል ሰሪዕ ንመዓርፎ ነፈርቲ እታ ከተማ ከምዝሓዙ ብልዑል ቊጽሪ ድማ ኣብ ጎደናታት እታ ከተማ እንዳተንቀሳቐሱ ዘርኢ ሓቅነቱ ዛጊት ዘይተረጋገጸ ተነቀሳቐስቲ ስእልታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ይካፈል ከምዘሎ እዉን ሱዳን ትሪቡን ይሕብር።

ኣብ ልዕሊ ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ወተሃደራዊ ጸብለልታ የመዝግቡ ኣለዉ ዝበሃለሎም ሓይልታት ዳዕመልሰሪዕ  ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ናይዚ ወርሒ’ዚ ንርእሰ ከተማ ምዕራባዊ ዳርፉር ዝኾነት ኣል-ጀኔና ምሉእ ብምሉእ ከምእተቘጻጸሩ ምሕባሮ ይዝከር።

ቅድሚ ክልተ ሰሙናት እውን  ሓይልታት ዳዕመል ሰሪዕ ንዓባይ ከተማ ንያላ ናይ ዞባ ደቡባዊ ዳርፉር ካብ ሰራዊት መንግስቲ ከምዝመንዝዑ ሓቢሮም እዮም። ሓይልታት ዳዕመል ሰሪዕ ካብ ምጅማር ወርሒ ጥቅምቲ፡ ነታ ስትራተጂካዊ ኣገዳስነት ዘለዋን ምስ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ እትዳወብን ካልኣይቲ ዝዓበየት ሱዳናዊ ከተማ ንያላ ክሕዝ ምኽኣሉ ንሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ዓቢይ ጽፍዒት ኮይኑ ምህላዉ ኣብቲ ሽዑ እዋን ተገሊጹ ኔሩ።

ዳዕመልሰሪዕ ኣብ ዳርፉር ምሉእ ቊጽጽር ንምርግጋጽ ካብ ኩሉ ሸነኻት እታ ዞባ ናይ ቀቢላ ዕጡቓት እንዳመልመለ የውፍር ምህላዉ ይንገር። እቶም ሓይልታት ኣብ ምዝዛም ወርሒ ጥቅምቲ እዉን ኣብ ዞባ ምዕራባዊ ጎርዶፋን እትርከብ መዓርፎ ነፈርቲ በሊላ ከምዝተቘጻጸሩ ይፍለጥ።