ጉጅለ ሓማስ ጂሆ ሒዝዎም ካብ ዘሎ ሰባት 50 ቈልዓ-ሰብይቲ ኪለቅቕ እሞ ኣማስያኡ እስራኤል ኣብ ወሽመጥ ቓዛ እተካይዶ ዘላ ናይ ኣየርን መድርን መጥቃዕትታት ንራብዕቲ ደዉ ክብል ዝብል ዉዕል፡ ብካቤነ መንግስቲ እስራኤል ቅቡል ኮይኑ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

እቲ ካብ  23 ሕዳር ተግባራዊ ዝኸዉን ምልቃቕ ጅሆ ሓማስ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ካብ 12 ክሳብ 13 ዝኾኑ ሰባት ኪለቕቕ እዩ። ድሕሪ ናይ ራብዕቲ ህድኣት ሓማስ ተወሰኽቲ 30 ሰባት ክለቅቕ ተስፋ ከምዝግበር ዝሕብሩ ጸብጻባት እስራኤል ድማ መለሳ ናይቲ ሓማስ ዝገብሮ ሕድገታት ንተወሰኽቲ መዓልታት ካብ ወተሃደራዊ ስጒምቲ ከዕርፍ ተመሳሳሊ ትጽቢት ኣሎ።

እቲ ካቢኔ እስራኤል ተቐቢልዎ ዘሎ ዉዕል ኣብቲ ናይ ራብዕቲ ምቊራጽ ተጻብኦ ዕለታዊ 300 መግቢ መድሃኒትን ነዳዲን ዝጸዓና መካይን ብመንገዲ ግብጺ ናብ ወሽመጥ ቓዛ ክኣትዋ ክፍቀደልን እዩ። ብዘይካ’ዚ እስራኤል ን150 ፍልስጤማዉያን ቈልዓ ሰብይቲ ኪትፈትሕ ኣካል እቲ ዉዕል ኮይኑ ኣሎ።

እዚ ብኣላይነት ቐጠር ድሕሪ ነዊሕ ጻዕሪ ተበጺሑ ዘሎ ግዝያዊ ስምምዕን ሕድገታትን ንብዙሓት ወገናት ኣተስፊዩ ኣሎ።
ድሕሪ’ቲ ህይወት ልዕሊ 1,200 ሰባት ዝወሰደ ናይ 7 ጥቅምቲ መጥቃዕቲ ሓማስ እስራኤል ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ዝከፈተቶ ኣልማሚ መልሰ መጥቃዕቲ ዛጊት ሂወት ልዕሊ 14,000 ፍልስጤማዉያን ጠፊኡ ኣብ ልዕሊ ዓሰርተታት ኣሽሓት ካልኦት ድማ ከቢድ መጒዳእቲ በጺሑ ምህላዉ ይፍለጥ።