እቲ ኣብ ከተማ ዳርኤሰላም ናይ ታንዛንያ ንከባቢ ክልተ ሰሙን ኪኸይድ ዝጸንሐ ካልኣይ እግሪ ዝርርብ መንግስቲ ኢትዮጵያን ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ሕጂ’ዉን ብዘይፍረ ምዝዛሙ ተፈሊጡ። ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ኣብ ናይ ‘ኤክስ’ ሒሳቡ ኣብ ዘካፈሎ ሓበሬታ እቲ ንመዓልታት ኪካየድ ዝጸንሐ ጽዑቕ ዘተ ፍረ ከይተረኽቦ ምብታኑ እዩ ኣረዲኡ።
ኣምባሳደር ሬድዋን ኣብ ሓበሬታኡ እቲ ዘተ ዳግማይ ዘይምዕዋቱ ዘሕዝን ምዃኑ ጠቒሱ ኣብ ስምምዕ ከይብጻሕ ዝዓንቀፉ ጉዳያት ግን ካብ ምጥቃስ ተቘጢቡ ኣሎ።
እቲ ዝርርብ ኣዛዚ ሰራዊት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ዝኾነ ኩምሳ ዲርባ ብኣካል ክሳተፎ ዝቐነየ እዩ። እቲ ጃል ማሮ ብዝብል ቅጽል ዝልለ ኣዛዚ ናብ ታንዛንያ ንምብጻሕ ካብ’ቲ ዝቃለሰሉ ጫካታት ምዕራባዊ ኦሮሞ ብነፋሪት ከምዝተወስደ ንመጀመርያ እዋን ድማ ምስ ወከልቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብኣካል ከምዝተራኸበን ይንገር።
እቲ ፈለማ ኣብ ከተማ ዛንዚባር ዝተቓንዐ ዘተ ብሓፈሻኡ ሃነጽቲ ሓሳባት ዝመንጨውሉ ምንባሮም እንተኾነ ኣብ ገዘፍቲ ጉዳያት ናብ ምርድዳእ ክብጻሕ ከምዘይከለ ንቐጻሊ ምይይጥን ሰላማዊ ልዝባትን ግን ባይታ ዘንጽፍ ከምዝኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓቢሩ ነይሩ እዩ። እዚ ተስፋ እዚ ኣብ ዝቐነየ ካልኣይ እግሪ ዘተ ክጭበጥ ዘይምኽኣሉ ድማ ነቲ ኣብ ሞንጎ መንግስትን ዕጡቓት ክልል ኦሮሞን ሰሪቱ ዘሎ ገዚፍ ፍልልይ ዘንጸባርቕ ኪኸዉን እዩ።
ብመንግስታት ኬንያን ኖርወይን ተሰላሲሉ ብኣላይነት ኢጋድን ዝጸዓረሉ ዘሎ እቲ ዘተ ሰላም ፍረ ክርከቦ እንተኾይኑ ዝተወሃሃደን ኣህጉራዊ ጻዕሪን ጸቕጢን ከምዘድሊ ይዝረብ።
ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ክልል ኦሮሞ ዝብእስ ዘሎ ጸጥታዊ ሕንፍሽፍሽ ነባሪ ፍታሕ ንምርካብ ምስ ዕጡቓት ተቛወምቲ እቲ ክልል ብሓፈሻ ምስ’ቲ ሸነ ኢሉ ዝጠቕሶ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ድማ ብፍላይ ናብ ሰላማዊ ዘተ ኪኣቱ ተደጋጋሚ ጻዉዒት ክቐርበሉ ዝጸንሐ ኾይኑ መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ከምቲ ኲናት ክልል ትግራይ ደዉ ንምባል ኣብ ፕሪቶርያ ዘንጸባረቘም ሓያለ ሕድገታት ኲናት ክልል ኦሮሞ ንምዕራፍ እዉን ተመሳሳሊ ቅሩብነትን ሕድገታትን ከርኢ እዮም ፖለቲካዉያን ሰልፍታት እታ ክልል ቀጻሊ ዝጽውዑ ዘለዉ።
ካብ ሓይልታት ኣምሓራ ዝዛይድ ዘሎ ወተሃደራዊ ብድሆ ኣሻቒልዎ ዘሎ ኣቢይ ኣሕመድ ነቲ ብወገን ደቡባዊ ምዕራብ እታ ሃገር ዝዓርግ ዘሎ ተመሳሳሊ ጸጥታዊ ስግኣት ንምዕራፍ ካብ ልቢ ዘይነቐለ ተበግሶታት የርኢ እኳ እንተሎ ብከምዚ ኣካይዳ ኣብ ባይታ ኪጭበጥ ዝኽእል ፈረ ከምዘይህሉ እዮም ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ዝትንትኑ።