ማዕበል ብርጌድ ንሓመዱ ንኡስ ጨንፈር ባደን ቩርተምበርግ ጀርመን ብ18 ሕዳር ኣብ ከተማ ሽቱትጋርት 3ይ ጉባኤ ኣቃኒዑ። ብርጌድ ንሓመዱ ባደን ቩርተምበርግ ካብ ነሓሰ 2022 ጀሚሩ ብዝተፈላለዪ ጉጅለታት ብምጥርናፍ በብቅሩብ ኣብ ሓደ እናመጸ ክጥርነፍ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ መጀመርታ ሕዳር 2022 ቀዳማይ ኣብ መወዳእታ ሚያዝያ ናይ’ቲ ዓመት ከኣ ካልኣይ ጉባኤኡ ምክያዱ ይዝከር።
ኣብ 3ይ ዕውት ጉባኤኡ፡ ነቶም ክሳብ ሕጂ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝኣክል ብተገዳስነት ነቲ ቃልሲ ከማእዝኑዎ ዝጸንሑ መራሕቲ ኣመስጊኑ፡ ንዓመት ምሉእ ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ ሓደስቲ መራሕቱ መሪጹ። እዚ ማለት ከኣ እቲ ኣብ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝካየድ ዝነበረ ምስግጋር ስልጣን ናብ ዓመት ክብ ኣቢሉዎ ኣሎ።
ብርጌድ ንሓመዱ ባደን ቩርተምበርግ፡ ካብ ነሓሰ 2023 ነቲ ዝነበሮ ኣካይዳ ብምቕያር ኣወዳድባኡ ኣስፊሑ ምስ ብርጌድ ንሓመዱ ጀርመንን ኣብ ምሉእ ዓለምን ዘለዉ ጥርኑፋት ጉጅለታት ሰሚሩ ክሰርሕ ከምዝጸንሐ ጠቒሱ ብኡ መሰረት ድማ ኣብ መወዳእታ መስከረም ናይ’ዚ ዓመት ወከልቱ ሳልሳይ ግዜ ናብ ባይቶ ጀርመን ሰዲዱ ምንባሩ ይገልጽ።
በዚ መሰረት ሰለስተ መራሕቲ :ክልተ ተሓጋግዘቲ : ሰለስተ ድማ ተቛጻጸርቲ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ብምምራጽ ኣብ ቃልሲ ንዝተጐድኡ ኣባላት ዝዉዕል ሻቡ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ዶላር ኣመሪካ ኣዋጺኦም።
መርበባዊ ቊመና ሒዙ ዘሎ ማዕበላዊ ምንቅስቓስ ብርጌድ ንሓመዱ፡ ውዳቤኡ ኣወርጺጹ ዓለምለኻዊ ዝርግሐ ንምርግጋጽ ኣብ ጽዑቕ ስራሕ ከምዝርከብ ዝፍለጥ ኮይኑ መሳርዑ ኣብ ምድልዳል ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ ደገፍ ኩሉ ኣባል ኤርትራዊ ደንበ ፍትሒ የድሊዮ። ማዕበላዊ ምንቅስቓስ ብርጌድ ንሓመዱ፡ ናይ ዝኾነ ፖለቲካዊ ውድብ ወይ ወገን ከይኮነ ኣብ ሑቕፊ ኤርትራዊ ደንበ ፍትሒ ኾይኑ ንኽግስግስ ዘኽእሎ መስመር ኣብ ምንጻር ዓቲቡ ይሰርሕ ከምዘሎ ይንገር።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ምስ ውዕሎ ጊሰን ህላዌኡ ዘነጸረ ብርጌድ ንሓመዱ ፈለማ ኣብ ሽወደን፡ ጀርመን፡ በልጁም፡ ብሪጣንያ ፡ ሆላንድ፡ ስዊዘርላንድ ፡ ፈረንሳ: ኖርወይ፡ ዴንማርክ ፡ ጨናፍር ኣስሚሩ – ኣብዚ ግዜ እዚ ድማ ኣብ ሰፊሕ ከባቢታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካናዳን :እስራኤል፡ ኡጋንዳ፡ ከምኡ’ዉን ኣውስትራልያ ተገቲሩ ይርከብ።
ቅርጺን ቊመናን ምንቅስቓስ ብርጌድ ንሓመዱ ምስ ግዜ እንዳተደላደለ ይመጽእ ከምዘሎ: ኣብ ኩለን ሃገራት ዝነጥፋ ጨናፍራት ናይ ባዕለን ክፍልታት መሪሕነት: ፋይናንስ፡ ጸጥታ፡ ሕጊን ጐስጋስን ወኒነን : ኣብ ባይቶ ዓለምለኸ ብርጌድ ንሓመዱ ብኽልተ ኣባላት ኪዉከላ ንምኽኣል ኣብ ጽዑቕ መስርሕ ይርከብ።
ብርጌድ ንሓመዱ: ነቶም ህግደፍ ኣብ ስግር ባሕሪ ዓሰርተታት ሚልዮናት ዶላራት ዝግሕጠሎም ዓይኒ-ማያት ንምድፋን ኣማስያኡ ከኣ ንኹሎም መሓዉራት እቲ ጉጅለ ንምምህማን ቀዳማይ ዕላማኡ ጌሩ ብተግባር ነቒሉ ገዘፍቲ ዓወታት ከምዘመዝገበ ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብዚ ግዜ እዚ ቃልሱ ብዝተወደበን ዝወርጸጸን መንገዲ ንምዕዋት ኣብ ከቢድ ስራሕ ተሸሚሙ ኣሎ።
ስለዝኾነ መራኸቢ ብዙሓን ደንበ ፍትሒ ኣብ ምዕዋትን ምውሃድን’ዚ ዓለምለኻዊ ዉዳቤ ዘሐይል ዘሎ ምንቅስቓስ፡ ልዑልን ሓላፍነታዊን ተራ ኪጻወታ ኣብ ምቅላዕ’ቶም ህግደፍ ኣንጻር ብርጌዳውያን ዝነዝሖም ጸለመታት ዓቲበን ክሰርሓ ህዝብና ብዛዕባ እዚ ዝኸይድ ዘሎ ማዕበል ቀጻሊ ሓበሬታ ኪህልዎ ድማ ከይተሓለላ ክጽዕራ ይግባእ።