ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ኣዝዩ ሓጺር እዋን ናብ መናሃርያ ሓድሽ ወተሃደራዊ ክርፍስ ከይቅየር ተሰጊኡ። እዚ ዝተሓበረ ዕጡቓት ሑቲ ንሓንቲ ምስ ንግዳዊ መሓዉር እስራኤል ምትእስሳር ኣለዋ ዝበልዋ ናይ ጽዕነት መርከብ ከምዝጨወዩ ምስ ናይ ተንቀሳቓሲ ስእሊ መርትዖኡ ድሕሪ ምግላጾም እዩ።

እቲ ኩሉዓይነታዊ ድጋፍ ኢራን ከምዘለዎ ዝንገረሉ የመናዊ ዕጡቕ ምንቅስቓስ መለሳ ናይቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ፍልስጤማዉያን እትፍጽሞ ዘላ ህልቂት ኣብ ልዕሊ ዝረኸቦም እስራኤላዊ ዕላማታት መጥቃዕቲ ከቃንዕ ምዃኑ ከፈራርህ እዩ ጸኒሑ። እታ ተቐርሲና ዘላ ዓባይ መርከብ ዋንነት መንግስቲ እስራኤል እኳ እንተዘይኮነት ብርካዊ ተበጻሕነት ገለ ንግዳዊ ምሓዉራት እስራኤል ከምዘለዋ እዩ ሑቲ ዝምጒት።

ሓደ ጃባናዊ ኩባንያ ዝገዘፈ ዋንነት እታ ተጨውያ ዘላ መርከብ ዝብጽሖ ኾይኑ መንግስቲ ጃፓን ነታ መርከብን ልዕሊ 40 ሰራሕተኛታታን ንምልቓቕ ጻዕርታት የካይድ ከምዘሎ ይሕበር። ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ እዉን እቲ ተግባር ሽበራዊ ከምዝኾነ ብምዉቃስ ዕጡቓት ሑቲ ነታ ጨውዮም ኣብ ገማግም ሑዴይዳ ናይ የመን ዓሺጎማ ዘለዉ መርከብ ብቕልጡፍ ክፍንውዋ ተማሕጺኑ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ነታንያሁ እውን ነቲ ተግባር ብምዃናን  መቐጸልታ ናይቲ ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤልን መሓዙታን እትምውሎም ሽበራዊ ተግባራት ከምዝኾነ ከሲሱ። መንግስቲ ኢራን ብወገኑ ኣብ’ቲ ብዕጡቓት ሑቲ ዝተወስደ ተግባር ኣፍልጦን ኢድን ከምዘይብሉ ገሊጹ ኣሎ።
ልዕሊ እቲ ናይ ቀርሰና ተግባር ሑቲን- ንዕኡ ስዒቡ ዝብርኽ ዘሎ ምክሳስን ግን ፣ እቲ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ነዚ እዋናዊ ተርእዮ ቅርሰና ኣመኽኒዩ ብስም ምውሓስ ጸጥታ ማያዊ መሰማርት ንግዲ ቀይሕ ባሕሪ ኪህሉ ዝኾነ ወተሃደራዊ ህልኽ ሓያላን ሃገራትን ብዉክልና ዝሰርሓ ሃገራት እዚ ዞባን ኣመና ተሰጊእሉ ዘሎ ጉዳይ እዩ።