ካብ ገለ ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምኡ’ውን ኣባላት እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ብልጽግና ብጉዳይ ባሕሪ ኤርትራ ዝካፈሉ ዘለዉ ናይ “መጸእና” መልኽትታት ኣተሓሳሳቢ እንድኾነ ይኸይድ ኣሎ። ብፍላይ እቶም ኣብ ሒሳባት ‘ኤክስ’ ዝረኣዩ ዘለዉ ወስታታት ከም ዘየሕፍሩ ተወሲዶም እንዳተለምዱ ይመጹ ኣለው።
ስእልታት ናይ ባሕሪ ኤርትራ እንዳተጠቅዑ ከም ዋንነት ሃገሮም ናይ ዝጽሕፉ ኢትዮጵያዉያን ወገናት ቊጽሪ እውን ዕለታዊ እንዳዛየደ ይመጽእ ከምዘሎ ይንግር። መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ብዘይካ’ቲ ንዋንነትን ኣፍደገ ባሕሪ ኣመልኪቱ ገዚፍ ዘረባ ዝድርቢ ካብ ኣባላት ሰልፊ ብጽግና መጠኑ ዝሓልፎ ድፍረት ተጠርዩ ድላይካ ናይ ምዝራብ ባህርታት ይንጸባረቕ ከምዘሎ ይሕበር።
ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ገዘፍቲ መብጸዓታት ኣትዩ ዝተመሓዘዎ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ በዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኢትዮጵያዊ ድፍረት ቀዳማይ ተሓታቲ ከምዝኾነ እዩ ዝንገር። ኢትዮጵያውያን ደጊም ሓደ ህዝቢን ሃገርን ኮይንና ኢና ዝብል ርድኢት ክሕዙ ዝኸኣሉ በቲ መራሒ ህግደፍ ኣብ 2018 ዝህቦም ዝነበረ ናይ ሓደ ኢና መግለጺታት ከምዝኾነ ምዝካር የድሊ።
ካብ 2018 ጀሚሩ ብሸነኽ ኢትዮጵያ ክብርኽ ዝጸንሐ ንልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ ዝደፍር መርገጺ ክሳዕ እዚ ቀረባ እዋን ብህግደፍ ዝኾነ ይዂን ተቛዉሞን ኩነኔን ክንጸባረቕ ዘይተራእየ ኮይኑ ሕጂ ህግደፍን ኣቢይን ኣብ ስልጣን ዘጻንሖም ኲናት ስለዝደለዩ ነዚ ጉዳይ ከም ማእከላይ ጉዳይ ኣቐሚጦም ክመላለሱ ይረኣዩ ከምዘለዉ ይፍለጥ።
ህዝቢ ኤርትራ በቶም ንመሬቱን ባሕሩን ምስኣኖም ወትሩ ብውሽጦም ዝጉህዩ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ዝወሃቡ ናይ ስምዒት ርእይቶታትን ሓሳባትን ንቡርን ዘየሻቕልን ተርእዮ ገይሩ ዝወስዶ’ኳ እንተኾነ፡ መንግስቲ ይኣሊ ኣለኹ ዝብል ጉጅለ ህግደፍ ነዞም ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ስምምዕ ሰላም ተበጺሑ ካብ ዝበሃል ሰዓት ክራብሑ ዝጸንሑ ንልዕልና ሃገረ ኤርትራ ዝጻብኡ ተኽቶዂቲ ርእይቶታት ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ሕጂ ናብ ነገራዊ ድፍረት ምስበረኹ’ዩ ናይ ተጠሊብና ብሕርና ንከላኸልን ጐስጓሳት ዘጽዕቕ ዘሎ።