ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሕዳር 2023 ኣብ ከተማ ተሰነይ ብ ኣባላት “ምንቅስቃስ ደለይቲ ፍትሒ ንግፍዕታት ህግደፍ ዝኹንን፡ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ካብቲ ኣቲይዎ ዘሎ ዓዘቕቲ ንምድሓን ተበግሶታት ክውሰድ ዝጽውዕ ትሕዝቶ ዘለዎ በራሪ ወረቀት ከምዝተርገሐ ካብ ኣባላት ምንቅስቃስ ንደለይቲ ፍትሒ ዝተርኽበ ሐበሬታ ኣረዲኡ።

እቲ በራሪ ወረቀት ኣብ መላእ ከተማ ተሰነይ ዝተዘርገሐ ኾይኑ፡ ብፍላይ ኣብተን ኣገደስቲ ቦታታት፡ ጨናፍር ኣብያተ ጽሕፈታት ሃገራዊ ድሕነት፡ ህግደፍ፡ ትምህርቲ ካልኦትን ከም ተዘርገሐ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ስርዓት ህግደፍ ከም ኣመሉ እቲ ፍጻመ ኣብ ህዝቢ ከም ዛዕባ ከይዋዓዋዕ ብምስጋእ ነቲ ዝተዘርሐ ወረቃቅቲ  ብቅልጡፍ ካብቲ ዝተዘርጋሓሉ ጎደናታት ክኣርዮ ከም ዝተራእየ እውን ምንጭታትና ብተወሳኺ ሓቢሮም ።

ገለ ካብቲ ተዘርጊሑ ዝነበረ ትሕዝቶ በራሪ ወርቀት፡ “ኤርትራዊያን መንእሰያት፡ ኣንጻር ሃገርን ህዝብን ሓሊኹ ሒዙ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ክለዓሉ፡ እዚ ከኣ ህዝብና ምንድሓን ክሳብ ዝኾነ ኣብዚ ቃልሲ ኩሉ ዓይነት መስዋእቲ ክኽፈሎ ቅርባት ክኾኑ ከም ዘለዎም ዝገልጹ ትሕዝቶታት ይርከብዎም ።
ከምዝፍለጥ ህግደፍ ነቲ ካብ ወሽጢ ሃገር ዝብገስ ምንቕስቓሳት ኣብ ትሕቲ ቅጽጽሩ ኣሎ ኢሉ ስለዝኣምን፡ ነዚ ሕጂ ኣብ ከተማ ተሰነይ ዝተዘርገሐ በራሪ ወረቀት  ከም ዓቢ ስግኣት ከም ዝጥምቶ ዘማትእ ኣይኮነን።