ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝነጥፉ መልኽተኛታት ህግደፍ ንይምሰል ተጎጃጂሎም ጀሚሮምዎ ዘለዉ ኣዉራጃዊን ሃይማኖታዊን ምጥቕቓዕ  ነቲ ዉዳቤኡ ኣስሚሩ ዕላማኡ ኣነጺሩ ዝግስግስ ዘሎ ኤርትራዊ ደላይ ፍትሒ ንምዝናይን ንምድንጋርን ዝዓለመ ከምዝኾነ ምንጭታት ኤሪሳት ኣቃሊዖም።

እቶም ኣብ መሳዂቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምሉ መዓልቲ ኣካዲሞም ዝውዕሉ መልኸተኛታት ህግደፍ ፣ ከምዝተበኣሱ መሲሎም ብዓሌትን ሃይማኖትን ኽከራፈሱ እሞ ኤርትራዊ ደላዪ ፍትሒ ካብ ቃልሱ ተኣልዩ ብቚርቊስ እቶም ተዋሳእቲ ቀሲኑ ካብ ናህሩ ንምዝሓል ብህግደፍ ተኣሊሙ ዘሎ ተወሳኺ ድራማ ከምዝኾነ እዮም እቶም ምንጭታት ዘረድኡ።

ኩሉ ኤርትራዊ ደላዪ ፍትሒ ብሓፈሻ ብርጌዳውያን ድማ ብፍላይ በዚ ሓድሽ ድራማ ኣድህቦኦም ከይተሰርቀ ቃልሶም ክቕጽሉ ዘተሓሳሰቡእቶም ምንጭታት ህግደፍ ንናህሪ እዚ ናብ ተግባር ተሳጊሩ ዘሎ ቃልሲ መንሰያት ፍትሒ ንምኹላፍን ንምጥምዛዝን ዘሎ ሜላታት የውፍር ምህላዉ ኣዘኻኺሮም።

ብፍላይ ኣብ ደንበ ፍትሒ ነይሮም ወቕቲ መሪጾም ናብ ህግደፍ ኢዶም ሂቦም ዝጸንሑ ወገናት በዚ ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ምጥቕቓዕ ወፍሪ ካብ ጌጋኦም ተኣሪሞም ናብ ደንበ ፍትሒ ክምለሱ ከምዝተቐሰቡ ብምምሳል ናብዚ ደንበ ክጽንበሩ ክፍትኑ መደብ ከምዘሎ እዩ እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ዘረድእ።
ኤርትራዊ ደንበ ፍትሒ ደጊም ንኸምዚ ዝበለ ድራማታት ህግደፍን ተዋሳእቱን ዝነኣሰ እዉን ይዂን ኣቓልቦ ኸሊኡ ዉሽጣዊ ጽሌቱ ክሕሉን ከምዝግባእ ወሲኾም ዝመኸሩ እቶም ምንጭታት ህግደፍ ናብ’ዚ ዉዳቤታቱ ዘወርጽጽ ዘሎ ኤርትራዊ ደንበ ንምስላዂ ብዝተፈላለየ ሸነኽ ካብ ምፍታን ከዕርፍ ከምዘይኮነ ኣገንዚቦም።

ኤርትራዊ ደንበ ፍትሒ ብዘይካ ከምዚ ዝበለ ካብ ህግደፍ ዝፍኖ ግዳማዊ ሽርሒ ኣብ ዉሽጡ ኾይኖም ከዕንዉ ካብ ዝኽእሉ ባእታታት ክጥንቀቕን ካብ ሃዉራዊ ኣካይዳታት ኪቚጠብን ከምዘድሊ ብተደጋጋሚ ይንገር ኣሎ።

ብፍላይ ጨንፈራት ምንቅስቓስ ብርጌድ ንሓመዱ – ነቶም ኣብ ውሽጢ ኾይኖም ጫሌዳ ዝፈጥሩ ወገናት ኣለልዮም ክእርምዎም ማእከላይ ዕላማኦም ንምብራዝ ኣብ ውሽጢ ብህግደፍ ሰዲዖም ዝዋስኡ ባእታታት ከምዘለዉ ነቒሖም ድማ ኪጎርሑሎም ይግባእ።

ኣባላት ብርጌድ ንሓመዱ ኢና እንዳበሉ ፣ ዉልቃዊን ኣብ ዝኸይድ ዘሎ ቃልሲ ንሓርነት ዝነእኣሰ ኣገዳስነት ዘይብሉን ጽልኦምን ህልኾምን ኣንዳዘርዘሩ  ነቲ ኤርትራዊ ማዕበል – ናብ ዘይተደልየ ሸነኽ ኸላግስዎ ዝሃልቁ ዘለዉ ወገናት እንታይነት ዕላማኦም ብንጹር ተፈቲሹ ዓንቃፍነቶም ፍታሕ ክናደየሉ ከምዘድሊ እዉን ቀጻሊ ጻዉዒት ይግበር ኣሎ።