ምንቅስቓስ ብርጌድ ንሓመዱ ጨንፈር ብሪጣንያ ኩለን ጨናፍራት እቲ ዓለምለኻዊ ቊመና ዝውንን ዘሎ ምንቅስቓስ ብገለ ዘይሓላፍነታዉያን ንዝቀላቐሉ ዘለው ጸቢባዊ ስነምግባራት ኣትሪሩ ዝዂንን ካብ መስመር ወጺኦም ንዕላማን ምስሊን እቲ መንቅስቓስ ኣብ ዘደዉን ኣካይዳታት ንዝዋፈሩ ድማ ሕጋዊን ስነምግባራዊን ኣደብ ከትሕዛ ዘኽእለን ኣሰራርሓ ከትርራ ጸዊዑ።
መሪሕነት ምንቅስቓስ ብርጌድ ንሓመዱ ጨንፈር ብሪጣንያ ብ23 ሕዳር ኣብ ዘውጽኦ ተሪር መጸዋዕታ ኣብ ገለ ጨናፍራት ፡ ስነስረዓት ዝጎደሎ ንተቓለስቲ ብጾታ ሃይማኖት፣ ኣዉራጃ፣ ስንክንልናን ትዉልዲን ኣጓንዩ ዘጥቅዕ ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ምንቅስቓሳት ይስዕርር ከምዘሎ ኣጠንቂቚ።
እቲ ጨንፈር ንኸምዚ ዝበለ ጉድለት ዝነኣሰ’ዉን ይኹን ተጻዋርነት ከምዘይብሉ ኣብ ከምዚ ዝበለ ንናህሪ ቃልሲ ጎቲቱ ንዕላማ ዘረስዕ ሕሱር ተግባራት ኪወፍሩ ንዝደፍሩ ኣባላቱ ድማ ሻቡ ሕጋዊ ስጒምቲ ከምዝወስድ ብምዝኽኻር ካልኦት ጨናፍራት እዉን ንገለ ዘይሓላፍነታዋን ኣባላተን ስርዓት ኣብ ምትሓዝ ተመሳሳሊ መርገጺ ኪመርጻ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣተሓሳሲቡ።
ምንቅስቓስ ብርጌድ ንሓመዱ ኣብ ዘየለዉን ዘይነበሩን ፍልልያት ዓሪዱ ኪታረኽ’ሞ ማእከላይ ዕላማኡ ክዝንግዕ ብገለ ዘይሓላፍነታዉያን ኣባላት ኣብ መሳዂቲ ማሕበራዊ ሚድያ ዝልመድ ዘሎ ናይ ጸለመ: ሕሜት : ምንእኣስን ምጉናይን ተግባራት፡ ቀይዲ ይበትኽ ከምዘሎ ዘተሓሳሰበ ምንቅስቓስ ብርጌድ ንሓመዱ ጨንፈር ብሪጣንያ ማሕበራዊ ሚድያ ንኣስራሒ ሸነኹ ወሲድና ቃልስናን ውዳቤናን ንድርዓሉ እምበር፣ ሰባት እንዳጐጀልና ብምጥቕቓዕ ቃልሲን ትጽቢትን ኤርትራዊ ደንበ ፍትሒ ንቐትለሉ መሳርያ ክኸዉን ከምዘይግባእ መኺሩ።
ገለ ብሰሪ ባህራዊ ስንፍና ገለ ድማ ብህግደፍ ሰዲዖም ኣብ’ዚ መንፈስ፡ ምትእምማንን ናህሪን ብርጌዳውያን ንምቕታል ዝዓለመ ወፍሪ ኣትኪሎም ወፊሮም ከምዘለዉ ዝሓበረ እቲ መግለጺ ኩለን ጨናፍራት ብርጌድ ንሓመዱ – እዚ ጉዳይ ካብ ቊጽጽር ወጻኢ ኸይኮነ ዉሽጣዊ ስርርዐን ኣሐይለን ፡ ኣባላተን ብሓላፍነትን ተሓታትነትን ተሰሪዖም ኽቃለሱ ዘኽእሎም ባይታ ከውሕሳ ተላብዩ።
ኣዉራጃ ቅድም ዝነበረ ምሕደራዊ ሜላ እምበር ማሕበረ-ባህላዊ ዶባት ህዝቢ ኤርትራ ከምዘይኮነ ዘዘኻኸረ ምንቅስቓስ ብርጌድ ንሓመዱ ጨንፈር ብሪጣንያ ኣብዚ ግዜ እዚ ንመቓልስቶም ብኣዉራጃ እንዳፈራረቚ-ዝበለየን ንእዋናዊ ጫፍ ንቕሓት መንሰያት ብርጌድ ንሓመዱ ዘይምጥንን መጐታትን ትርኻትን ከጓሃህሩ ኣብ ልዕሊ ዝደፍሩ ኣባላት፡ ክሳዕ ምሕካኽ ኣባልነቶም ዝኸይድ ተሪር ሕጋዊ ስጒምቲ ከምዘድሊ እዩ ኣገንዚቡ።