ሓማስ ሕጂ’ዉን ካብ ጂሆ ሒዝዎም ዘለዎ እስራኤላዉያን ተወሰኽቲ 50 እንተለቒቑ እቲ ንራብዕቲ ተቛሪጹ ዝጸንሐ ተጻብኦ ከተናውሖ ከምእትኽል እስራኤል ገሊጻ። መንግስቲ እስራኤል ነቲ 28 ሕዳር ዘኽትም ናይ ራብዕቲ ምቊራጽ ደብዳብ ከናውሖ እንተኾይኑ ሕማስ ተወሰኽቲ እስራኤላዉያን ክለቅቕ ከምዘለዎ ድሮ ሓቢሩ ከምዘሎ እዩ ዝገልጽ።

ወሃቢ ቃል መንግስቲ እስራኤል እቲ ቅሩብነት ንሓማስ ብወግዒ ተሓቢርዎ ከምዘሎ ኽገልጽ እንከሎ ሓያለ ሃገራት ምዕራብን ትካላት ሕቡራት ሃገራት ከምኡ’ዉን ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ኔቶ እዉን እቲ ግዝያዊ ምቊራጽ ተጻብኦ ክናዋሕ መጸዋዕታታት የጽዑቚ ኣለዉ።
ሓማስ ብወገኑ፣ እራኤል ክትፈትሖም ናይ ዝጽበያ ተወሰኽቲ ፍልስጤማዉያን እሱራት ዝርዝር ኣስማት ኣካፊሉ ከምዘሎ እዩ ዝሕብር።

ኣብ’ዚ ዝቐነየ ናይ ራብዕቲ ምቊራጽ ተጻብኦ ንህዝቢ ወሽመጥ ቓዛ መስተርሆት ፈጢሩ ሰብኣዊ ረዲኢት ኪባጻሕ ኣኽእሉ ምህላዉ ዝሕብሩ ጸብጻባት ኣብ ሞንጎ እስራኤልን ሓማሳን ብመለሳ ምፍታሕ እሱራት ተጀሚሩ ዘሎ ተጻብኦ ናይ ምቊራጽ ግዝያዊ ተበግሶ ናብ ነባሪ ፍታሕ ዘሰጋግር ንምግባሩ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ይካየድ ከምዘሎ የረድኡ።

ዛጊት ቀይሕ መስቀል ኣብ ኢድ ሓማስ ካብ ዝጸንሑ እስራኤላዉያን ልዕሊ 50 ተቐቢሉ ከምዘሎ እዩ ዝግለጽ። ዛጊት ልዕሊ 180 እስራኤላዉያን ምስ ሓማስ ተሪፎም ከምዘለዉ ኣዉን ይንገር። ኢራን ብወገና ፣ ኣብ ሞንጎ እስራኢልን ሓማስን ዝቐነይ ምቊራጽ ተጻብኦ ናብ ነባሪ ስምምዕ ንምስጋሩ ክስራሕ ጸዊዓ ኣላ።

እዚ ብኣላይነት ቐጠር ድሕሪ ነዊሕ ጻዕሪ ተበጺሑ ዝቐነየ ግዝያዊ ስምምዕን ሕድገታትን፣ ንብዙሓት ወገናት ኣተስፊዩ ምህላዉ ኣይዝንጋዕን። እቲ ናይ ራብዕቲ ምቊራጽ ተጻብኦ ዛጊት ዕለታዊ 300 መግቢ መድሃኒትን ነዳዲን ዝጸዓና መካይን ብመንገዲ ግብጺ ናብ ወሽመጥ ቓዛ ክኣትዋ፣ እስራኤል ድማ ን150 ፍልስጤማዉያን ቈልዓ ሰብይቲ ኪትፈትሕ ኣኽኢሉ ዘሎ እዩ።

ድሕሪ’ቲ ህይወት ልዕሊ 1,200 ሰባት ዝወሰደ ናይ 7 ጥቅምቲ መጥቃዕቲ ሓማስ እስራኤል ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ዝከፈተቶ ኣልማሚ መልሰ መጥቃዕቲ ዛጊት ሂወት ልዕሊ 14,000 ፍልስጤማዉያን ጠፊኡ ኣብ ልዕሊ ዓሰርተታት ኣሽሓት ካልኦት ድማ ከቢድ መጒዳእቲ በጺሑ ምህላዉ ይፍለጥ።