መንሰያት ብርጌድ ንሓመዱ ኖርወይ ነቲ ህግደፍ ኣብ ከተማ ክርስቲያንሳንድ ዝወደቦ ድግስ ክስረዝ ከምዝገበሩ ተሓቢሩ። ኣብቲ ናይ ዝሓለፈ 25 ሕዳር ናይ ሰዓታት ኣጋምሸት ኣጋጣሚ ካብ ሚእቲ ዘይበዝሑ ደግፍቲ ህግደፍ ብከዉሊ ከቃንዕዎ ዝመደቡ ምትኽኻብ ብተቛውሞ’ቶም ኣብ’ቲ ቦታ ዝተረኽቡ ልዕሊ 200 ብርጌዳዉያን ደዉ ክብል ከምዝኸኣለ እዩ ተፈሊጡ።

ፖሊስ እታ ከተማ ተቛዉሞ እቶም መንእሰያት ብርጌድ ንሓመዱ ብኣጋኡ ንምግታእ እኳ እንተፈተኑ  እቲ ተቛውሞ ኪዕገት ስለዘጸገመ ፖሊስ ንድግስ ህግደፋውያን ክስርዞ ተገዲዱ።
ህግደፍ ብብርጌዳዉያን ነቒሉ ዘሎ መሓዉራዊ ንጥፈታቱ ናይ ምቚጻይ ቃልሲ ኣብ ሓደ ወቕቲ ተቐልቂሉ ዝጠፍእ እንዳመሰሎ ገለ ገለ ናይ ፕሮፖጋንዳ ዉራያት ይፈታትን እኳ እንተሎ ብርጌዳዉያን ጀሚሩ ደዉ ዝብል ቃልሲ ከምዘየበገሱ ብተግባር የመስክሩ ምህላዎም በዚ ኣብ ከተማ ክሪስቲያንላንድ ዝተመዝገበ ዓወት ኣመስኪሮም ኣለው።

ህግደፍ ካብ ዓበይቲ ፈስቲቫላት ናብ ፍቐዱ ሸጓሹጉን ሻዉላትን ዝጸረዩ ዉራያት ኪዉድብ ይሃልኽ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ እዚ ሜላ እዚ እዉን ብብርጌዳውያን ሸለል ከይተባህሉ ይፈሽል ከምዘሎ ይንገር። ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ምዕራባዊ ኤውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ጨናፍሩ ዝግትር ዘሎ ምንቅስቓስ ብርጌድ ንሓመዱ  ንዝደቐቚ መሓዉራዊ ንጥፈታት ህግደፍ እንዳለቐመ ይዀልፍ ከምዘሎ እዚ ድማ ነቲ ኣብ ስደት ካብ ዝርከብ ህዝብና ጽልኢ እንዳጐስጐሰ ገንዘብ ምምንጣል ዝለመደ ህግደፍ ኣዝዩ ኣሸጊሩ ምህላዉ ይፍለጥ።

መንሰያት ብርጌድ ንሓመዱ ኣንጻር ህዝቢን ሃገርን ዝነቐሉ ጓኖት ኣምሲልካ ንምጽላም ዝተኸየደ ኩሉ ፈተነታት ሳላ ኣብ ነዊሕ ጉዕዞ ቃልሲ ዝተዋህለለ ንቕሓት በርዒኑ ዝተረፈ ኾይኑ ኤርትራዉያን ደለይቲ ፍትሒ ልዕሊ ኻልእ እዋን ጸላኢኦም ኣነጺሮም ካብ ቃልሲ ከታርፍዎም ዝኽእሉ ኩሎም ጫሌዳታት እንዳኣለዩ ይምርሹ ምህላዎም ብተግባር ዝምስከር ዘሎ እዩ።