ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝንህር ዘሎ ግጭት ንምህዳእ ምስ ዕጡቓት ሓይልታት ፋኖ ኪዘራረብ ካብ ዓበይቲ ሰልፍታት ዝኾነ ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ ( NAMA) ተማሕጺኑ። እቲ ሰልፊ ኣብዚ ቅንያት ኣብ ዘውጽኦ ወግዓዊ መግለጺ መንግስቲ ፈደራል ንመሰረታዊ ጠልባት ህዝቢ ክልል ኣምሓራ ኪሰምዕን ኽግንዘብን ንቅጽበታዊ ምቊራጽ ተጻብኦ ምሉእ ቅሩብነት ብምርኣይ ድማ ዕጡቓት ሓይልታት እታ ክልል ናብ ሰላማዊ ዘተ ኪመጽኡ ዘተባብዕ ባይታ ከጠዓዕም እዩ ኣትሪሩ ጸዊዑ ዘሎ።
ሰልፊ NAMA ኣብ ጻዉዒቱ ርትዓዊ ፡ ክፉትን ኣሳታፊን ዝኾነ ንምሁራት ፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ጸለውቲ ዉልቀሰባትን ዓበይቲ ዓደን ዝጸንበረ ዘተ ክዉን ንምግባር መንግስቲ ፈደራል ቅንዕና ዝመልኦ ቅሩብነት ከርእይ እዩ ኣተሓሳሲቡ ዘሎ።
ብዘይካ’ዚ ኣብ ዝኸይድ ዘሎ ኲናት ክልል ኣምሓራ ዝምዝገቡ ዘለዉ ኩሉዓይነታዊ ግህሰታት ብዘይሻራዊ ኣካል ክምርመር ብምጽዋዕ ህዝቢ ክልል ኣምሓራ እዉን ንሰላማዊ ጽምዶ ቅሩብነቱ ከመስክር ተማሕጺኑ ኣሎ።
መንግስቲ ፈደራል ነቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ካብ ቊጽጹሩ ወጻኢ እንዳኾነ ዝኸይድ ዘሎ ብረታዊ ተቛዉሞ ንምጭፍላቕ ደብዳባት ነፈርቲን ከበድቲ ብረታትን የጽዕቕ ከምዘሎ ከምሳዕቤኑ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝብን ንብረቱን ዝወርድ ዘሎ ዕንወት ይብስ ምህላውን እዩ ዝንገር።
መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሞን ንዘሎ ዕጥቃዊ ተቛውሞ ንምድቋስ ከምቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኸተሎ ወተሃደራዊ ኣማራጺ የቐድም ብምህላዉ እታ ሃገር ናብ ዝበኣሰ ሕንፍሽፍሽ ተምርሕ ምህላዋ ይፍለጥ። ብዙሓት ፖለቲካውያን ሓይልታት እተን ክልተ ክልላት ኣቢይ ኣሕመድ ጎነጻዊ ፍታሕ እንዳመረጸ ብሰላማዊ መንገዲ ክፍትሑ ዝቐሉ ጉዳያት ጠንቂ ሃገራዊ ስግኣት ኪኾኑ ይገብር ከምዘሎ እዮም ዝወቕሱ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ልክዕ ናይ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ቅዲ እንዳተኸተለ ንተቛውሞን ነቐፌታን ብጎነጽ ጥራይ ናይ ምምላስ ባህሪ ኣጥርዩ ከምዘሎ በቶም ኣብታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ዝዛይዱ ዘለዉ ህዝባዊ ተቛዉሞታት ዝወስዶም ዘሎ ወተሃደራዊ ግብረመልሲ ይምስከር ኣሎ።