ኣብ ሃገሮም ካብ ዘሎ ኲናት ኣምሊጦም ናብ ኤርትራ ዝመርሑ ሱዳናዉያን  ክብሪ ዋጋታትን መነባብሮን ኤርትራ ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ኮይንዎም ከምዘሎ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ቤተሰቦም ይሕብሩ ኣለዉ።

መጠን ሸርፊ ዶላር ንናቕፋ ምስቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ልዑል ክብሪ ዋጋታት ፍጹም ዘይራከብ ከምዝኾነ እዚ ድማ ነቶም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኮይኖም ናብ ኤርትራ ተፈናቒሎም ንዘለዉ ቤተሰቦም ገንዘብ ዝሕውሉ ዘለዉ ሱዳናዉያን ኣብ ጭንቂ ሸሚምዎም ከምዘሎ እዩ እቲ መረረ ዘመልክት።
ዋጋታት መሰረታዊ ጠለባት ሂወት ኣብ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዳርጋ ብዶላር ኣመሪካ ከምትናበር ዘለኻ ምዃኑ ዘማረሩ እቶም ሱዳናዉያን ኣብ ኤርትራ ንዘለዉ ኣሕዋቶም ክረድኡ ክብሉ ኣብ ዘይሓሰብዎ ዕዳ ይሽመሙ ከምዘለዉ ይኸሱ።

ሓያለ ነበርቲ ካርቱም ዝኾኑ ሱዳናዉያን ናብ ኣስመራን ካልኦት ከተማታት ጋሽባርካን ኣትዮም ከምዘለዉ ኽግለጽ ጸኒሑ እዩ። ንኸብድኻ ዕለታዊ ምጭናቕን ፍጹም ዘይፈልጥዎ እቶም ሱዳናውያን፡ ሕጂ ነታ ህዝቢ ኤርትራ ንዓሰርተታት ዓመታት ዘሕልፋ ዘሎ ሕሰም ኹቃደስዋ ተገዲዶም ኣለው።
ህግደፍ መጠን ሸርፊ’ቲ ናይ ምሽማት ሓይሉ ዛጊት ባይታ ዘቢጡ ዝርከብ ባጤራ ናቕፋ ምስ ናይ ወጻኢ ባጤራታት ኣመና ከምዝዳረግ ጌርካ ፡ ኣብ ስደት ዝርከቡ ዜጋታት ስድራቤቶም ንምርዳእ ዝሰድዎ ብዝሒ ገንዘብ ንኪተዓጻጸፍ ብቐጻሊ ይሰርሕ ምህላዉ ይፍለጥ።

ህግደፍ ነቲ ተወዳዳሪ ሰደድ ዘይለበሰ ቊጠባ ኤርትራ ዝዉክል ባጤራ ናቕፋ፡ ኣብ ናይ ምሽማት ዓቕሙ ዝኾነ ምምሕያሽ ከመዝግብ ከይሓሰበ ፡ ተሸራፍነቱ ጥራይ ከጉድል ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ ፡ እዚ ድማ ነቶም ኣብ ስደት ዝነብሩ ዜጋታትና ስድራቤቶም ንምድጋፍ ልዕሊ’ቲ ኣቐዲሞም ዝሰድዎ ዝነበሩ መጠን ገንዘብ ክሰዱ ኣገዲዱን ኣብ ቀጻሊ ፊናንሳዊ ማሕነቘ ኪጻገሙ ገይሩን ይርከብ።
ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብራ ሱዳናዉያን ስድራቤታት እዉን፡ ነቶም ተፈናቒሎም ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ወገናተን ኪድግፋ ተመሳሳሊ ገንዘባዊ ሰኸም ተጻዒንወን ይርከብ።