ኣብ ስደት ዝነጥፍ ኤርትራዊ ኩባንያ ተተካኢ ጸዓት ኣፕቴክ-ኣፍሪቃ፡ ኣብ ከተማ ጁባ ናይ ደቡብ ሱዳን ኣብታ ሃገር ዝዓበየ ምዃኑ ዝተነግረሉ መመንጨዊ ጸሓያዊ ጸዓት ከምዝገተረ ተሓቢሩ። ብኤርትራዊ መሃንድስ ግርማይ ዘርኣይ ዝውነን ኣፕቴክ-ኣፍሪቃ  ንቴክኖሎጂ ምስ ጸሓያዊ ጸዓት ኣብ ምልፋን ዝነጥፍ ትካል ኮይኑ ኣብ ኣፍሪቃን ኪንዩኡን ስሙ እንዳተለለየ ዝመጽእ ዘሎ እዩ።

ኣፕቴክ-ኣፍሪቃ፡ ምስ’ቲ ንጠለብ ኣገልግሎት ኤለክትሪክ ደቡብ ሱዳን ዝምግብ ካልኣ ኤርትራዊ ኩባንያ ህንጻ እዝራ ብምዉዕዓል እዩ ነዚ ብዉህሉል ገምጋም ክሳብ 26 ሜጋዋት መሬት ኣብ ዝጸሓየሉ ድማ ክሳብ 120 ሜጋዋት ኤለክትሪክ ከመንጩ ዝኽል ትሕተ-ቅርጺ ኣካዊኑ ዘሎ። መሃንድስ ግርማይ ብዛዕባ እቲ ትካሉ ኣብ ከተማ ጁባ ኣቕኒዕዎ ዘሎ ትሕተ-ቅርጺ ኣመልኪቱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ እቲ መመንጨዊ ንጠለብ ጸዓት ናይ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ከማልእ ከምዝኽእል እዩ ጠቒሱ ።
ኣፕቴክ-ኣፍሪቃ፡ ኣብ መፋርቕ ናይ 2021 ፣ “ኣፍሪካን ዲጂላት ቻምፕዮንስ” ብዝብል ብጋናዊ ናይ ወፍሪ ኣካል ንብሉጻት 50 ኣፍሪቃዉያን ኩባንያታት ዓመታዊ ዝወሃብ ኣፍልጦ ምብቃዑ ዝዝከር ኮይኑ ኣብ’ቲ ዓመት እዉን ምስ ብሉጻት 10 ናይቲ ኣፍሪካን ቢዝነስ ሄሩ ኣብ ትሕቲ ዝብል ብኣሊባባ ፋዉንዴሽን ዝወሃብ ልዑል ኣፍልጦ ምስራዑ ኣይርሳዕን።

ኣፕቴክ-ኣፍሪቃ ኣብ 2006 ኣብ ኤርትራ ዝተመስረተ ድሒሩ ናብ ኡጋንዳ ዝገዓዘ ኩባንያ ኮይኑ ኣብ’ዚ ግዜ እዚ ኣብ ሓያሎ ብጸሓያዊ ጸዓት ዝዕመሙ ወፍርታት ይነጥፍ ምህላዉ ይፈልጥ።
እቲ ኩባንያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ምዃኑ ዝንገረሉ ብጽሓያዊ ጽዓት ዝሰርሕ መጨንጉዒ ማይ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዕዉት ከምዝገበረ እዉን ይሕበር። ብዘይካ’ዚ ንነኣሽቱ ኣፍሪቃውያን ሓረስቶት ብጸሓያዊ ጸዓት ዝሰርሓ ናይ ማይ ሞተረታት ብምሃብ ብመጠን እተን ሞተራት ዝጨንጉዐኦ ካብቶም ሓረስቶት ድሒሩ ክፍሊት ዝቕበል እቲ ኤርትራዊ ትካል ኣብ ምምሕያሽ ህይወት ሓያለ ሓረስቶት ልዑል ኣስተዋጽኦ ኣብ ምግባር ይርከብ።

ኣብ ከም ኡጋንዳ :ደቡብ ሱዳን :ሩዋንዳ: ኬንያን ኣንጎላን ኣብ ገዘፍቲ ወፍሪታት ስሞም ናይ ዝጥቀስ ኤርትራዉያን ዉልቀሰባትን ኩባንያታትን ቊጽሪ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ይዛይድ ምህላዉ ኣይርሳዕን።