ኤርትራውያን ስደተኛታት ነበርቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዉጹእ ሓደጋ ከምዘለዉን በብዝጥዕሞም መንገዲ ካብታ ሃገር ከርሕቚን ብዝጉስጉሱ ዜናታት ዘይወግዓውያን መሓውራት ዜና ህግደፍ- ተደናጊሮም ኣብ ሓደጋ ናይ ዝወድቊ ዘለዉ ወገናትና ቊጽሪ ይዛይድ ኣሎ።

በቶም ዜናታት ዝተሰናበዱ ሓያለ ኤርትራዉያን ነበርቲ ኣዲስ-ኣበባን ካልኦት ከተማታት ኢትዮጵያን ኣብ ዘይመደቦም ኣትዮም ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ንምርሓቕ ዘይውሑሳት መንገድታት ሃሰዉ እንዳበሉ ግዳይ ዝተፈላለየ ምዝመዛ ይዀኑ ምህላዎም ምሕባርና ዝፍለጥ ኮይኑ ብፍላይ ብኬንያ ኣኳሊምካ ናብ ኡጋንዳ ንምብጻሕ ኣብ ዝካየድ ጉዕዞ ዝተሓዙ ዘለዉ ወገናት ንተወሳኺ ጸገም ይቃልዑ ኣለዉ።

ምስ ህግደፍን ምስ ገለ ሓለፍቲ ትካላት ጸጥታ መንግስቲ ፈደራልን ምትእስሳር ዘለዎም ሰምሰርትን ደለልትን ነዚ እዋናዊ ክስተት ከም ምረቓ ወሲዶም ንብዙሓት ኤርትራዉያን ውሑስ ጉዕዞ እንዳተመባጽዑ ንሰንሰለታዊ ገንዘባዊ ምዝመዛን ማእሰርቲን የረክስዎም ከምዘለዉ እዉን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ህግደፍ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማ ኣዲስ-ኣበባ ዝነብር ኤርትራዊ ስድተኛታ ኣብ ሓደጋ ንምዉዳቕ ብመንገዲ ዘይወግዓዉያን መሓዉራት ዜና ከምኡ’ዉን መልእኽተኛታት ፡ ዘሰንብዱ ወረታት ይነዝሕ ምህላዉ ይሕበር። እቶም መሓዉራት ኤርትራዉያን ስደተኛታት ነበረቲ ኣዲስ-ኣበባ ከቢድ ሓደጋ ኣንጸላሊይዎም ከምዘሎን ናብ ዝቐረበሎም ሃገር ኪሃድሙ ከምዘለዎምን ዘተሓሳስብ ዝተፈራረቐ መጠንቀቕታ ኣብ ምርባሕ ወፊሮም ከምዘለዉ ኣይርሳዕን።

ኩሉ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ዝነብር ኤርትራዊ ክሳብ ሕጋዊ ሰነዳቱ ሒዙ  ከም ስደተኛን ዑቕበኛን ከማልኦ ዝግባእ ቅጥዒ ሓሊዩ ዝኸደ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኪበጽሖ ዝሕኽእል ሓደጋ የለን። ኤርትራዉያን ስደተኛታት ነበርቲ ኣዲስ-ኣበባ – ንመግለጺታትን መጠንቀቕታታትን ዘይወግዓዉያን መሓዉራት ህግደፍ ኣሚኖም ኪረባበሹን ኪሃድሙን እንተተራእዮም ግን፡ እንታይ ዘህድም ነገር ስለዝፈጸሙ እዮም ዝብል ገዚፍ ጥርጣሬ ኣብ ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከስርጽ ከምዝኽእል ምግንዛብ የድሊ።

ገለ ኣብ’ታ ከተማ ዝነብሩ ደገፍቲ ህግደፍ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ናይ መን ከይትንክንፈና መንፈስ ኣጥርዮም፡ ንምስሊን ድሕነትን ናይ ዝበዝሐ ወገን ኣብ ሓደጋ ዘውድቚ ንጥፈታት ከተግብሩ ክደፍሩ ብምጽንሖም ህዝቢ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ ዝጸንሖ ኣኽብሮት ንኽሃስስ ኣሉታዊ ተራ ይጻወቱ ምህላዎም እዉን ኣይርሳዕን።

ኤርትራዉያን ስደተኛታት ነበርቲ ኢትዮጵያ ካብ ጸርጊ ናይዚ ኣብን ኢሳያስን ነናይ ዉልቆም ጥቕሚ ንኽሕልዉ ብቕልጡፍ ዝሽሕርዎ ዘለዉ ኩነታት ኽገላገሉ  ኣብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ይዂን ንመሰል ስደተኛነቶም ኣብ ሓደጋ ዘዉድቕ ተግባር ከርሕቚ ኣገዳሲ እዩ።