ካብ ወርሒ ነሓሰ ናይዚ ዓመት ኣብ ኒጀር ብወተሃደራዊ ዕልዋ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ጉጅለ፡ ነቶም እታ ሃገር ምስ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ 2015 ዝኣተወቶም ንዘይሕጋዊ ዋሕዚ ስደተኛታት ዝቕይድ ሕግታት ከወንዝፎም ምዃኑ ብወግዒ ገሊጹ። እቲ ጉጅለ ዝሓለፈ ሰኑይ ብወግዒ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ብዕልዋ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ ንዝተቛወምኦ ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ኪግምግመን ድሕሪ ምጽንሕ  ምስቲ ሕብረት ዝኣተዎ ዉዕል-ስደተ ኪስርዞ ምዉሳኑ ኣፍሊጡ።

በዚ መሰረት ኣብታ ዜጋታት ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ከም ቀንዲ መተሓላለፊት ዝጥቀሙላ ኒጀር ከም ገበን ክርአ ዝጸንሕ ምስግጋር ሰባት ከም ንቡር ስራሕ ዳግም ክጅምር ምዃኑ እዮም ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ዘተሓሳስቡ ዘለዉ።
ብፍላይ እቶም ኣብ ደቡባዊ ኣጻም እታ ሃገር ዝነብሩ ማሕበረሰባት እቲ መነባበሪኦም ዝነበር ዘይሕጋዊ ንግዲ ሰባት ዳግም ኪጅምርዎ ኣብ ምድላዋት ከምዘለዉ እዩ ዝንገር።

ኤውሮጳዊ ሕብረት ከም ምስ ሓያለ ሃገራት ሳሕለ-ሳህራ ምስ ኒጀር ናይ ቢልዮናት ዶላራት ውዕል ኣትዩ ዘይሕጋዊ ዋሕዚ ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ንምኹላፍ ክሰርሕ ከምዝርአ ዝፍለጥ ኾይኑ እቲ ኣብ ኒጀር ስልጣን መዚዑ ዘሎ ጉጅለ ኣንጻር ኩሎም እቶም ኣብ ስልጣን ምምጽኡ ዘይተዋሕተሎም ሃገራት ምዕራብ ይኸይድን ኣቐዲሙ ምስኣቶም ዝተኣትወ ሓያለ ውዕላት የፍርስን ከምዘሎ ይሕበር።

እቲ ጉጅለ ንዘይሕጋዊ ዋሕዚ ስደተኛታት ሻላ ኽርእዮ ምዉሳኑ ኣድህቦ ኤውሮጳዊ ሕብረት ንምርካብ ከምዝመስል ዝሕብሩ ካልኦት ወገናት ሃገራት ኤውሮጳ በዚ ተሻቒለን ምስቲ ጉጅለ ዘለወን ጽምዶ ከዝልቓ እንተዘይተገዲደን ግን ሓድሽን ካብ ቊጽጽር ወጻኢ ኪኸዉን ልዑል ተኽሎ ዘለዎን ዋሕዚ ስደተኛታት ከሸግረን ምዃኑ እዮም ዝትንትኑ።
እዚ ጉጅለ ናብ ስልጣን ቅድሚ ምምጻኡ ኒጀር ከም መራገፊን መጒሓፊን ናይቶም ካብ ከም ኣልጀርያን ቱኒዝያን ዝስጐጉ ስደተኛታት ኾይና ምጽንሓ እዉን ኣይርሳዕን።