ሕቡራት ኤማራት ዓረብ ንሓይልታት ዳዕመል ሰሪዕ ኩሉዓይነታዊ ደገፍ ትገብር ምህላዋ ሓደ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ በዓልስልጣን ልኣላዊ ባይቶ ሱዳን ሓቢሩ። ምክትሉ ንጀነራል ዓበደልፋታሕ ኣልቡርሃን ዝኾነ ጀነራል ያሲር ኣልዓጣ ኣብ ኦምዱርማን ንኣባላት ስለያ ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ኣብ ከተማ ኡምዱርማን ኣብ ዘስመዖ መግለጺ ኤማራት ብከዉሊ ንሓይልታት ዳዕመልሰሪዕ እንዳሓገዘት ንኲናት ሕድሕድ ሱዳን ኣብ ምብኣስ ልዑል ተራ ትጻወት ምህላዋ ከሲሱ ።
ኲናት ሕድሕ ሱዳን ኢድ ሓያለ ሰብ ረብሓ ሃገራት ከምዘለዎ ብኹሎም ተራጸምቲ ሓይልታት እታ ሃገር ፍሕሽዉ ወቐሳታት እኳ ክዛይድ እንተጸንሐ ሰብ ስልጣን ሰራዊት ሱዳን ንኣስማት እተን ኣብ ኲናት ሱዳን ንሓይልታት ዳዕመልሰሪዕ ይሕግዛ ኣለዋ ዝብለን ግዳማውያን ሓይልታት ብግልጺ ክጠቕሱ እዚ ናይ ፈለማ እዩ።
ጀነራል ያሲር ኣብ ዘረባኡ ኤማራት ብመንገዲ ኡጋንዳ፡ ሪፓብሊክ ማኣከላይ ኣፍሪቃን ጫድን ኣቢላ ኣዝዩ ዝተራቐቚ ብረታትን ሰብኣልቦ ነፈርቲን እንዳለኣኸት ንሓይልታት ዳዕመልሰሪዕ ጸግዒ ኾይናቶም ከምዘላ እዩ ወቒሱ።
መንግስቲ ኡጋንዳ ንኽሲ እቲ ሱዳናዊ ጀነራል ትርጉም ዘይብሉ ክሲ ክብል ሻቡ ነጺግዎ ኣሎ። መንግስታት ጫድን ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃን እዉን ብዝተፈላለዩ መንገዲታት ነቲ ኽሲ ነጺገንኦ ኣለዋ።
ኣብ’ቲ ኣብ 2019 ንዑመር ኣልበሺር ካብ ስልጣን ዝኣለየ ወተሃደራዊ ዕልዋ ገዚፍ ደገፍ ከምዝገበረት እትሕመ ኤማራት ኣብ ሱዳን ትጽበዮም ዝነበረት ቊጠባዊ ረብሓታት ብዘተፈላለዩ ምኽንያት ይኹለፍዋ ብምህላዎም ንረብሓታታ ከሳኽዕ ዝኽእል ሓይሊ ናብ ስልጣን ንምምጻእ ብከዉሊ ትሰርሕ ምህላዋ እዮም ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ዝትንትኑ።
ሓይልታት ዳዕመል ሰሪዕ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሱዳን ራኡይ ጸብለልታ የመዝግቡን ንዝሰፍሐ ከባቢታት ካርቱም ተቘጻጺሮም ድማ ኣብ ዞባ ዳርፉር ዘየጓርጽ ገስጋስ የርእዩን ከምዘለዉ ዝሕበር ኮይኑ በዚ ኣብ ከቢድ ጸቕጢ ዝወደቐ ወተሃደራዊ መራሒ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ንሰላማዊ ዘተ ዘቐድሙ ዞባዊ ተበግሶታት ክጽውዕን ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ደገፍ ንምርካብ ዲፕሎማስያ ወፍርታት የጽዕቕን ከምዘሎ ይንገር።
በቲ ናብ ሻሙናይ ወርሑ ዝቃረብ ዘሎ ኲናት ሕድሕድ ሱዳን ዛጊት ልዕሊ 6 ሚልዮን ዜጋታት ተፈናቒሎም ህይወት ልዕሊ 10 ሽሕ ሰላማውያን ሰባት ድማ ጠፊኡ ከምዘሎ እዩ ሕቡራት ሃገራት ዝገልጽ።