ካብ ምቕናዕ ገዘፍቲ ፈስቲቫላት ተኾሊፉ ናብ ምውዳብ ግልቡባትን ጸበብቲን ውራያት ወሪዱ ዘሎ ህግደፍ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኤውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ብዝተሓደሰ መልክዕን ሜላን ከዉፍሮም መዲቡ ዘሎ ድግሳትን ምትእኽኻባትን ድሮ ብብርጌዳዉያን ተጸኒዖም ዘድሊ ሕጋዊን ካልኣዊን ኣማራጺታት ተቛውሞ ተዳልዩሎም ከምዘሎ ክርዳእ ተኻኢሉ።
ናይ ምትእኽኻብ መሰለይ ይተሓለወለይ እንዳበለ ፍቐዶ ጎደናታት ሃገራት ምዕራብ ክጠርዕ ጀሚሩ ዘሎ ህግደፍ ሕጂ ብመንገዲ እተን ባዕሉ ዘውፍረንን ብስም ዉልቀሰባት ኣመዝጊቡ ዘንጥፈንን ዝተፈላለያ ናይ ንግዲን ባህሊን ማሕበራት፡ ነናእሽቱ ድግሳት እንዳወደበ ተሃን መዝመዛኡ ከዝልቕ ዝተወሃሃደ መደብ ሰሪዑ እኳ እንተሎ መንእሰያት ብርጌድ ንሓመዱ ብዛዕባ እዚ ሓድሽ መደብን ዕላማኡን እኹል ሓበሬታን ኣፍልጦን ወኒኖም ንምብዳሁ ልዕሊ ካልእ እዋን ተዳልዮም ከምዘለዉ ተረጋጊጹ።
ንማሕበረኮማዊ ረብሓ ኤርትራዊ ስደተኛታት ቕንጣብ ኣድህቦ ዘይብለን ብስም ተራድኦ ዝተመዝገባ ኣካላት ከምኡ’ዉን ንግዳዉያን ትካላት ናይ ባህሊን ትምህርትን ኢና ዝብላ ማሕበራትን ካልኦትን ህግደፍ ንዝሰርዓለን መደባት ገንዘባዊ-ምዝመዛን ፕሮፖጋንዳ-ጽልኢን ንምዕዋት ፡ ብኣዝዮም ሓጸርቲ ኣኼባታት ጀሚሮም ብትልሂትን ፈንጠዝያን ን’ዝዛዘሙ ምትእኽኻባት ይዳለዋ ከምዘለዋ ፣ ዕላማ እቶም ምትእኽኻባት ድማ ማሕበራዊ፣ ባህላዊንን ጥዕናዊን መዳያት ኤርትራዉያን ኣብ ስደት ኣስተብህሎ ንኽረክብ ምዃኑ ንሰብ-መዚ ብሓሶት ኣእሚነን ፍቓድ የውሕሳ ምህላወን ይንገር።
ድግሳት ህግደፍ፡ ዝኾነ ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ዘይብሎም ማሕበራዊ ዉራያት ንምምሳሎም፡ በተን መሓዉራት ዝተፈላለየ ኣስማትን ቴማን ዝተጠመቚ ምትእኽካባት ተመዲቦም ከምዘለዉ እውን ክፍለጥ ተኻኢሉ።
ውዳቤታቱ ኣደልዲሉ ንኹሉ መሓውራዊ ሽርሕታት ህግደፍ ኣብ ምእዳብ ነውፊዑ ዘሎ መንእሰያዊ ምንቅስቓስ ብርጌድ ንሓመዱ ነዚ ካልእ መልክዕ ለቢሱ ዝቀላቐል ዘሎ ወፍሪ ህግደፍ ብኣንክሮ እንዳተኸታተለ ንምኹላፉ ኣብ ተጠንቀቕ ከምዘሎ፡ በቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብርጌዳዉያን ኖርወይ ኣብ ልዕሊ ሓደ ናይ ሑጋ ድግስ ህግደፍ ዝመዝገብዎ ዓወት ተመስኪሩ እዩ።