ኣብ ኢትዮጵያ ተደናጉዩ ዝጸንሐ ምሕዳስ ሰነዳት ስደተኛታትን ከምዉ’ን ኣገልግሎት ማሕበራዊ ጉዳያት ዳግም ምጅማሩ ፡ ብፍላይ ነቶም ኣብ ኣዲስኣበባ ዝነብሩ ኤርትራውያን ዓብዪ ሩፍታ ከምዝፈጠረሎም ምንጭታት ሓቢሮም። ብሰንኪ እቲ ወረቐት ብዙሓት ኤርትራዉያን ግዳይ ማእሰርቲን ገንዘባዊ መቕጻዕቲን ኪኾኑ ምጽንሖም ኣይርሳዕን ።
ምቊራጽ እቲ ኣገልግሎት ንብዙሓት ብዉልቂን ብመስርሕ ዳግመሰፈራን ናይ መገሻ መደብ ዝነበሮም ኤርትራዉያን ከምዘሰናኸለ ዝሕበር ኮይኑ በዚ ዝተጨናነቚ ሓያለ ወገናትና መደባቶም ኪቕይሩን ናብ ከም ኬንያን ኡጋንዳን ዝኣመሰላ ሃገራት ብምርሓቕ ካልእ ኣማራጺታት ሃሰው ክብሉን ከምዘገደደ ይንገር።
ብፍላይ ምስ ዝሽሕክር ዘሎ ዝምድና ኣቢይን ኢሳያሳን ፣ ሕጋዊ ሰነድ ስደተኛ ዘይሓዙ ኤርትራዉያን ኣብ ዓይኒ ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክኣትዉን ግዳይ ግፋታትን ማእሰርቲን ኪኾኑን ጸኒሖም እዮም።
ካብ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ኪዛይድ ብዝጸንሐ ጥርዓናት ተደሪኹ ኣብ ዝሓልፈ ወርሒ ሰነ መጽናዕቲ ዘካየደ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ፣ ኣብ ኣዲስ-ኣበባን ካልኦት ከተማታት እታ ሃገርን ኤርትራዉያን ስደተኛታት ብዘይሕጊ ክእሰሩን መሰላቶም ኪግፈፍን ምርኣይ ይልመድ ከምዘሎ ጸብጺቡ ነይሩ።
እቲ ኮሚሽን ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ ኣብ ገለ ኣብያተ ማእሰርቲ ኣዲስ-ኣበባን ከባቢኣን ናይ ስደተኛ ሰነድ ከምኡ’ውን ፍቓድ ነባርነት የብልኩምን ተባሂሎም ዝተኣስሩ ኤርትራዉያን ናብ ቤትፍርዲ ከይቀረቡ ንዉሕ ዝበለ መዓልታት ይቕየዱ ምህላዎም ምዕዛቡ ይጠቅስ።
ንድሕነት ስደተኛታት ኪጽዕታ ዝግበአን መንግስታዉያን ይዂና ኣህጉራዉያን ኣካላት ማለት ከም ኣገልግሎት ስደተኛታትን ተመላሶን ኢትዮጵያ ማለት RRSን ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ሰነዳዊ ውሕስነት ስደተኛታት ኣብ ምኩዋን ርኡይ ምምሕዳራዊ ድኻማት የመዝግባ ከምዘለዋ ዝጠቐሰ እቲ ኮሚሽን ከምሳዕቤኑ ሓያለ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ነበርቲ ኣዲስ-ኣበባን ከባቢኣን ግቡእ ወረቃቕቲ ስኢኖም ግዳይ ዘይተደልየ ማእሰርቲን በደልን ይኾኑ ከምዘለዉ እዩ ኣብቲ ናይ ሽዑ ጸብጻቡ ወቒሱ።