ኣብ ኤርትራ ተኣሲሮም ካብ ዘለው የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ  54 ዝኾኑ ናብ ሃገሮም ከምዝተፋነዉ ማዕከን ኣራብ-ኒውስ ሓቢሩ። ብመሰረት ሓበሬታ እቲ ማዕከን ዜና፣ እቶም ዉሽጢ ክልተ ሰሙናት ፡ ኣብ ክልተ ተጎጂሎም ዝተፋነዉ የመናውያን፡ ብሰላም ናብ ሃገሮም ከምዝኣተው ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ኣቢሎም ዝተኣስሩ ካልኦት 39 እዉን ናብ ሃገሮም ኽምለሱ ብህግደፍ ተፈቒድሎም ድሮ ተጋዕዞም ጃልባ ተላኢኻ ከምዘላ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

እቶም የመናዉያን ከም’ቶም ኣቐዲሞም ዝተፈትሑ ደቂ ዓዶም ኩሉ ናዉቲ ስራሖም ተመንዚዕም ከምዝተመልሱ እውን እቲ ማዕከን ዜና የረድእ።
ኣብ ቀዳመይቲ ሰሙን ናይ ዝሓለፈት ወርሒ መስከር እዉን  ካብ’ቶም ኣብ ደሴት ተርማ ናይ ኤርትራ ኣብ ማእሰርቲ ህግደፍ ተሪፎም ዝርከቡ ልዕሊ 100 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ፡ ኣስታት 70 ተፈቲሖም ናብ ሃገሮም ከምተመልሱ ማዕከን ዜና ሽንህዋ ሓቢሩ ነይሩ። ኣብ መፋርቕ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ እውን፡ ኣብ’ታ ደሴት ንከባቢ ሰለስተ ኣዋርሕ ዝተኣስሩ 80 የመናውያን ናብ ሃገሮም ከምእተፋነዉ ሺንሁዋ ካብ ሓደ የመናዊ በዓል መዚ ንዝረኸቦ ሓበሬታ መርኩስ ብምግባር ኣቃሊሑ እዩ። ህግደፍ ንከባቢ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣሲርዎም ዝነበረ 166 የመናዉያን ገፈፍቲ ዓሳ እዉን ኣብ ዝሓለፈ 31 ግንቦት ናብ ሃገሮም መሊሱ እዩ ።

ሚኒስትሪ ሃብቲ ዓሳ የመን በቲ ኣብ ልዕሊ ገፈፍቲ ዓሳ ዜጋታቱ ካብ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ዝበጽሕ ዘሎ በደላት ብቐጻሊ ይኸስስን የጠንቅቕን ከምዘሎ ይፍለጥ። እቲ ሚኒስትሪ በቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ወርሒ ሓምለ ጥራይ ንሰለስተ ግዜ መጠንቀቕታ ዝሓወሰ ክሳዊ መግለጺ ኣውጺኡ እዩ።
ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ካብ 2005 ኣብ በበይኑ ኣጋጣሚታት ብዝወስዶም ናይ ምእሳር ተግባራት ዛጊት ኣስታት 7000 የመናዉያን ገፈፍቲ ዓሳ ከምዝኣሰረ፣ ንነዊሕ እዋን ዳጒኖም ድማ ንብረቶምን ጀላብኦምን እንዳሃገሩ ከምዝለቅዎም እዩ እቲ ሚኒስትሪ ዝኸሲስ።

ማያዊ ግዝኣት ጥሒስኩም ተባሂሎም ብኣሃዱታት ሓለዋ ባሕሪ ኤርትራ ክቕየዱ ናይ ዝጸንሑ የመናዉያን ገፈፍቲ ዓሳ ቊጽሪ ክዛይድ ምጽንሑ ዝሕብሩ ጸብጻባት፡ ማሕበራት ገፈፍቲ ዓሳ የመን ናብ መራሕቲ ህግደፍን፡ ኣሃዱታት ሓለዋ ባሕሪ ኤርትራን ብቐጻሊ ክጠርዓ ከምዝረኣያ የረድኡ።
ኤርትራ፡ ብጉዳይ እኩባት ደሴታት ሓኒሽ ኣብ 1995 ምስ የመን ዝኣተወቶ ወተሃደራዊ ጎነጽ ብብይን ሸምጋሊ ኣካል ድሕሪ ምዕራፉ፡ ህግደፍ ናብ ማያዊ ግዝኣት ኤርትራ ኣትዮም ኣብ ልዕሊ ዝብሎም የመናዉያን ገፈፍቲ ዓሳ ቀጻሊ ቀይዲ ካብ ምግባር ከምዘየቋረጸ እዩ ዝሕበር።

ንጉዳይ እቶም ንማያዊ ግዝኣታት ኤርትራን የመንን ኣብ ዘዳውቡ ከባቢታት ዝነጥፉ የመናውያንን ኤርትራውያንን ገፈፍቲ ዓሳ ብዝምልከት ኣስራሒ ባይታ ንኽርከብ ብሰብመዚ የመን ብተደጋጋሚ ኽጽዋዕ ምጽንሑ ዝግለጽ ኾይኑ ፡ እቲ ጻውዒት ብወገን’ቲ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ሃወኽ ፖሊሲታት መሪጹ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ተቐባልነት ብምስኣኑ፡ ኣብ ምግፋፍ ዓሳ ዝነጥፉ ዜጋታት ክልትኤን ሃገራት ዕለታዊ ናብራኦም ንምኩዋን ኽጻገሙ ይረኣዩ ምህላዎም ይግለጽ።