ንከባቢ ሰሙን ዝኸደ ምቚራጽ ተጻብኦ እስራኤል-ሓማስ ንምንዋሑ ዝተገብረ ጻዕሪ ብዘይምስላጡ፣ እስራኤል ናይ ኣየርን መሬትን ወተሃደራዊ መጥቃዕትታት ኣብ ሰዓታት ወጋሕታ ናይ 1 ታሕሳስ ዳግም ከምዝጀመረቶ ተሓቢሩ። በቲ ኣብ ሰፊሕ ከባቢታት ወሽመጥ ቓዛ ጀሚሩ ደብዳባት ድሮ ሂወት ዓሰረተታት ፍልስጤማውያን ጠፊኡ ከምዘሎ እዮም ሰብ መዚ ጥዕና ርእሰ-ምምሕዳር ፍልስጤም ዝሕብሩ።

መንግስቲ እስራኤል ሓማስ ተወሰኽቲ እስራኤላዉያን ክለቅቕ ስለዘይከኣለን  ናብ እስራኤል ኪትኲስ ስለዝጀመረን ነቲ ወተሃደራዊ ወፈራ ሻቡ ከምዝጀመሩ እዩ ዝምጉት ዘሎ። እቲ ፈለማ ንራብዕቲ ጸኒሑ ድማ ንክልተ መዓልታት ዝኸደ ሰብኣዊ ምቊራጽ ተጻብኦ ንብዙሓት ኣተስፍዩ ምጽንሑ ኣይዝንጋዕን።

ቀዳማይ ሚኒስተር በንጃሚን ነታንያሁ ኣብ ዝሃቦ እዋናዊ መግለጺ ኣብ ልዕሊ ወሽመጥ ቓዛ ንዘሎ ሓማስ ካብ ሱሩ ንምሕካኽን እታ ወሽመጥ ደጊም ጸጥታዊ ስግኣት እስራኤል ከምዘይትኸዉን ክሳብ ዝረጋገጽን እቲ ወተሃደራዊ ወፍሪ ኪቕጽል ምዃኑ ክሕብር እንከሎ ሓማስ ብወገን ዕላማ እስራኤል ኣብዘን ዝሓለፋ ናይ 50 መዓልታት መጥቃዕታታ ዘይተጨበጠ ሕጂ ድሕሪ እዚ ግዝያዊ ምቊራጽ ተጻብኦ ጀሚሩ ዘሎ ሓድሽ መጥቃዕታ ኪጭበጥ ከምዘይኮነ እዩ ዝምጉት።

ኣብ’ዚ ዝቐነየ ምቊራጽ ተጻብኦ ንህዝቢ ወሽመጥ ቓዛ መስተርሆት ፈጢሩ ሰብኣዊ ረዲኤት ኪባጻሕ ከምዘኽኣለ ዝሕብሩ ጸብጻባት እቲ ተጻብኦ ናይ ምቊራጽ ግዝያዊ ተበግሶ ናብ ነባሪ ፍታሕ ዘሰጋግር ንምግባሩ ክኻየድ ዝቐነየ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ክዕወት ኣይተኻእለን። እዚ ብኣላይነት ቐጠር ድሕሪ ነዊሕ ጻዕሪ ተበጺሑ ዝቐነየ ናይ ሰሙን ስምምዕን ሕድገታትን፣ ዛጊት ዕለታዊ 300 መግቢ፣ መድሃኒትን ነዳዲን ዝጸዓና መካይን ብመንገዲ ግብጺ ናብ ወሽመጥ ቓዛ ክኣትዋ ኣኽኢሉ እዩ።

ድሕሪ’ቲ ህይወት ልዕሊ 1,200 ሰባት ዝወሰደ ናይ 7 ጥቅምቲ መጥቃዕቲ ሓማስ እስራኤል ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ዝከፈተቶ ኣልማሚ መልሰ መጥቃዕቲ ዛጊት ሂወት ልዕሊ 14,000 ፍልስጤማዉያን ጠፊኡ ኣብ ልዕሊ ዓሰርተታት ኣሽሓት ካልኦት ድማ ከቢድ መጒዳእቲ በጺሑ ምህላዉ ዝሕበር ኾይኑ፣ እስራኤል ዳግማይ ጀሚራቶ ዘላ ጽዑቕ ደብዳብ ነቲ ሰብኣዊ ህልቂት ከብእሶ ምዃኑ ይንገር።