ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን መንግስቲ ኤማራትን ዝራጐድ ዘሎ ምሕዝነት ናይ ነገር ደሓን ከምዘይኮነ፡ ካብቲ ኤማራት ብድጉም ዋጋ ናብ ኢትዮጵያ ተረክቦ ዘላ ዘመናዊ ኣጽዋርን ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ተዛይዶ ዘላ ቊጠባዊ ወፍርታትን መሊሱ ይረጋገጽ ኣሎ።

መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ካብ ሃገራት ምዕራብን መሓዙተንን ኽግበረሉ ጀሚሩ ዘሎ ክንክን ዕለታዊ ይዛይድ ምህላዉ ዝርአ ዘሎ ኾይኑ ካብተን ምስ ህግደፍ ሓለፋ ተቓሪበን ይሰርሓ ምህላወን ህግደፍ ባዕሉ ኽሕበነለን ዝጸንሓ ሩስያን ቻይናን፡ ንኢትዮጵያ ዝግበር ዘሎ ኣድህቦን ደገፍን እዉን ካብቲ ናይ ምዕራባዊ ዓለም ዘይንእስ ኾይኑ ኣሎ።

ቻይና ካብ ኢትዮጵያ ኽምለሰላ ክትደፍኣሉ ዝጸንሐት ልዕሊ 14 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ዕዳ ፡ንግዜኡ ክትሃድኣሉ መሪጻ ምህላዋ ሓደ ምልክት እዩ። ብዘይካ’ዚ ሩስያን ተኸተልታን ናብ ኢትዮጵያ ዘለወን ወገናዊ ረብሓ ዘንቀሎ ተገዳስነት የዛይዳ ምህላወን፡ ካብቶም ምስ’ታ ሃገር ዝኣትውኦን ዝኽትማሉን ዘለዋ ምርድዳኣት ይንጸባረቕ ኣሎ።

ጸጥታዊ ኩነታት ኤርትራን ጎረባብቲ ሃገራትን ኣብ ኣዝዩ ቀረባ እዋን ናብ ዝበኣሰ ደረጃ ክዓርግ ምዃኑ በብእዋኑ ዝቀላቐሉን ፡ ኣብ ኣዝዩ ሕጺር እዋን ዝቀያየሩ ዘለዉ ክሰታትታት የመላኽቱ ምህላዎን ዝሕበር ዘሎ ኾይኑ፣ ብዘይካ’ቲ ኢሳያስን ኣቢይን ዝጻወትዎ ዘለዉ ሓድሽ ድራማ ኲናት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኪንዮ ክልተኣዊ ክርፍስ ሃገራት ዝኸይድ ገዚፍ ፡ ንኢደዙራዊ ኲናት ሓያላት ዓለምና መናሃርያ ኪኸዉን ዘቃልዕዎ ምልክታት ይምዝገብዎ ምህላዉ ይንገር።

ኣብ ፊተን ዘለዋ፡ ተገማገምቲ ቀይሕ ባሕሪ ዝኾና ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዉሽጣዊን ክልተኣዊን ኲናት ረሚስካ ፡ ኣብ’ቲ ማያዊ ዞባ ንዘለወን ስትራተጂካዊ ረብሓ ተጠቒመን ጸብለል ከይብላ ንምኹላፍ ኣብ ቀጻሊ ስራሕ ዝርከባ ስዑድያን ኤማራትን ንይምሰል ነናተን ወገን እንዳመረጻን ኣጽዋርን ገንዘብን እንዳሰንደዋን እዚ ዞባ ካብ ኲናት ከይወጽን ኣብ ድሕረት ኪነብርን ይመሻጠራ ምህላወን ይፍለጥ።

እዋናዊ ኲናት ሕድሕድ ሱዳን ፍታሕ ክሰኣኖ  ኤማራት ንሓይልታት ዳዕመልሰሪዕ ኩሉዓይነታዊ ደገፋት ከተዉሕስ  ስዑድያ ድማ ነቲ ብጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ሱዳን ተመሳሳሊ ደገፍ ኽትገብር ይርአ ምህላዉ ብዝተፈላለዩ ወገናት ቀጻሊ ኪሕበር ጸኒሑ እዩ።

ልዑል መጠን ኣጽዋር ናብ ኢድ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ተረክብ ዘላ ኤማራት  ነቲ ኢትዮጵያዊ መራሒ ኣብ ጉዳይ ዋንነት ባሕሪ ሕቶ ኣልዒሉ ኪታዀስ  ስዑድያ ድማ ንመራሒ ጉጅለ ህግደፍ ኣነ ኣለኹልካ ክትብል ዝተወሃሃደ ተዋስኦ ይቕጽል ምህላዉ ዝሓለፈ እዋን ሓቢርና ኔርና።
መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ይኹን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ናይ ዝመጸ በዓል ቅልጽም ትእዛዝ ሰሚዖም ኪኸዱ ምዃኖን ርዱእ እዩ።