ጒኒ-ቢሳዉ ሓድሽ ወተሃደራዊ ዕልዋ ከምዘፍሸለት ፕረዚደንት እታ ሃገር ኡማሮ ሲሴኮ ኤምባሎ ብ2 ታሕሳስ ሓቢሩ። እቲ ፕረዚደንት ኣብ ሓበሬታኡ ብዓርቢ 1 ታሕሳስ ክልተ ኣሃዱታት ኣብ ከተማ ቢሳዉ ተዂሲ ከፊተን ምስ ኣባላት ሃገራዊ ሓለዋ ከምዝተፋለማ እንተኾነ እቲ ኩነታት ኣብ ሓጺር እዋን ኣብ ቊጽጽር ኣትዩ ጸጥታ እታ ከተማ ናብ ንቡር ምምላሱ ኣረዲኡ።
ኣብ ወርሒ ለካቲት ናይ ዝሓለፈ ዓመት እዉን ተመሳሳሊ ዕልዋ ምፍሻሉ ዘዘኻኸረ ፕረዚደንት ኡማሮ በዚ ናይ ባሕቲ ታሕሳስ ዕልዋ ተጠርጢሮም ኣብ ቀይዲ ዘለዉ ኣካላት ተሪር መቕጻዕቲ ይጽበዮም ከምዘሎ እዩ ኣተሓሳሲቡ።
እቲ ናይ 1 ታሕሳስ ዕልዋ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዱባይ ኣብ ዋዕላ ክሊማ ክሳተፍ ኣብ ዝቐነየሉ እዩ ኣጋጢሙ። ዝሓልፈ ሰሙን እዉን ኣብ ሰራልዮን ወተሃደራዊ ዕልዋ ተፈቲኑ ምፍሻሉ ማዕከናት ዜና እቲ ዞባ ክሕብራ ቀንየን እየን ።
ኣብ ምዕራባዊን ማእከላይን ኣፍሪቃ ፡ ዝኣረጉ ስርዓታት ንምስጓግ ናይ ዝዓለሙ- ወተሃደራዊ ዕልዋታት ቊጽሪ ይዛይድ ምህላዉ ይንገር።
ናይ ቀረባ ኣብነት ፡ ዝሓልፈ ወርሒ ነሓሰ ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ጋቦን፡ ኣብ’ታ ሃገር ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን ስልጣን ብሒቱ ዝጸንሐ ስድራቤታዊ ጉጅለ ካብ ስልጣን ኣሳጒጐም እዮም።
እቲ ናይ ጋቦን ወተሃደራዊ ዕልዋ ፡ ሓደ ወርሒ ድሕሪ’ቲ ኣብ ኒጀር ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ስጒምቲ ዝሰዓበ እዩ። ብ26 ሓምለ ፡ ጀነራል ዑመር ታክያኒ ዝመርሖ ኣሃዱ ፕረዚደንታዊ ሓለዋ ኒጀር ነቲ ብዉድቀት ምሕደራ ዝወቐሶ ፕረዚደንት መሓመድ ቡዙም ካብ ስልጣን ከምዝኣለዩ ይዝከር።
ዞባ ምዕራባዊን ማእከላይ ኣፍሪቃ ካብ 2020 ጥራይ 8 ዕዉት ወተሃደራዊ ዕልዋታት ኣመዝጊቡ ኣሎ።ብኣካይዳታት መራሕቶም ዘይዓገቡ መኮንናት ፡ ኣብ ማሊን ቡርኪናፋሶን ከክልተ ግዜ ኣብ ጫድ ፡ ጊኒ፡ ኒጀርን ጋቦንን ድማ ሓሓደ ግዜ ዕልዋታት ተቓኒዖም ኣለው።
ሰራዊት ኤርትራ ንህዝቢን ሃገርን ካብ ግዳማዊ ጸላኢ ኽከላኸል ጥራይ ዘይኮነ ካብ ውሽጢ ንዝመጽእ መግዛእቲን ሓደጋን እውን ኣደብ ከትሕዝ ሃገራዊ ሓላፍነት ከምዘለዎ ነዚ ሓላፍነት እዚ ንምርዳእ ድማ ፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራ ነቶም ኣብ ጎረባብቲ ሃገራትን ሃገራት እዛ ኣህጉርን ብወተሃደራዉያን መኮንናት ዝውሰዱ ዘለዉ ኣረምቲ ስጒምትታት ኪመሃረሎም ከምዘድሊ ብተደጋጋሚ ይጽዋዕ ኣሎ።