ኣብ ሶማል ንልዕሊ 30 ዓመታት ጸኒዑ ዝጸንሐ እገዳ ኣጽዋር ክለዓል ምዉሳኑ፣ ነቲ ኣብቲ ዞባ ብቕልጡፍ ዝቀያየር ዘሎ ጸጥታዊ ሕንፍሽፍሽ ዘጋድድ ኸይከዉን ተሰጊኡ።

ባይቶ ጸጥታ ዝሓለፈ ዓርቢ ተጋቢኡ ነቲ እገዳ ከምዘልዓሎ ዝፍለጥ ኾይኑ እዚ ዕዉት ንኽኸዉን ኣመሪካ፡ ብሪጣንያን ፈረንሳል ልዑል ተራ ምጽዋተን ክፍለጥ እንከሎ እዚ ንመንግስቲ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓመድ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ተገዛኣነት እተን ሃገራት ዘእቱ ኸይከዉን’ሞ ኣንጻር ምዕራባዉያን ዝኾና ሓይልታት ንሽበራዉያን ጉጅለታት እታ ሃገር ደገፍ እንዳቐረባ ከይተሃላለኻ እዩ ተሰጊኡ ዘሎ።

ባይቶም ጸጥታ ኣብ’ቲ ናይ ዝሓለፈ ዓርቢ ዉሳኔኡ ምስ መርበብ ኣልቃዒዳ ዝቃረቡ ከም ኣልሸባብ ኣብ ልዕሊ ዝበሉ ዕጡቓት ተሪር እገዳ ኣጽዋር ኪጸንዕ ምውሳኑ እዉን ክፍለጥ ተኻእኢሉ ኣሎ።
ሶማል ብጽዑቕ ደገፍ ምዕራባዉያን ካብ እገዳ ኣጽዋር ምልቓቓ ነቲ ምስታ ሃገር ፖለቲካዊን ወተሃደራዊን ምሕዝነት ከደላድል ዝጸንሐ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ዓቢይ ሃስያ ከምዝኸዉን እውን ይንገር። ምዕራባዉያን ሃገራት መለሳ ናይቲ ንሶማል ጌረንኦ ዘለዉ ሓለፋ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓመድ ኣብ ምሉእ ተማኣዛዝነተን ኣትዩ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ተቓሪቡ ክሰርሕ ክጽበያ ምዃኑን እዉን ልዑል ግምት ኣሎ።

ምልዓል እገዳ ኣጽዋር ኣብታ ኣጸቢቓ ዘይደልደለት ሶማል  ነቲ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዕለታዊ ዝዛይድ ዘሎ ተርእዮታት ፍንዉ ሽመተ ኣጽዋር ተወሳኺ ባይታ ዝፈጥር ከይከዉን እዉን ካልእ ስግኣት ኣሎ። ባይቶ ጸጥታ  መንግስቲ ሶማል ኣብ ምሕደራን ክዘናን ኣጽዋር ዝሕግዞ ዉሑስ ትሕተቅርጺ ኪሃንጽ ከምዝግባእ ድሮ ኣተሓሳሲቡ እኳ እንተሎ ሶማል እኹል ኣጽዋር ከተእቱ እንተኽኢላ ነቲ ናይ ድብያ ስልቲ ኣዋግኣ ዝኽተል ኣልሸባብ መኽዘናት ኣጽዋር እንዳጥቅዐ መሳርዑን ሓይሉን ዳግም ከደላድል ዕድል ዝፈጥ ኸይከዉን እዩ ተፈሪሑ ዘሎ።

ህዝቢ ሶማል ኣብ 2024 ካብ ኣሸባሪ ጉጅለ ኣልሸባብ ሓራ ዝኾነት ሃገር ክርከብ ምዃኑ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ኣብ ምጅማር ዓመተ 2023 ተመባጺዑ ነይሩ እዩ። መንግስቲ ሶማል ኣብ ልዕሊ እቲ ሸበራዊ ጀሚርዎ ዘሎ ወተሃደራዊ ወፍሪ ምሉእ ብምሉእ ክዕወት ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ካብ 1992 ጸኒዑ ዘሎ እገዳ ኣጽዋር ባይቶ ጸጥታ ክለዓል ገዚፍ ደገፍ ማሕበረሰብ ዓለም ክሓትት ምጽንሑ ኣይርሳዕን።