መንእሰያዊ ማዕበል ብርጌድ ንሓመዱ ከምቲ ህግደፍ ዝገመቶ ወቕታዊን ኣብ ኣዝዩ ሓጺር እዋን ዝመውትን ምንቅስቓስ ከምዘይኮነ ካብ’ቲ ዝኸይድ ዘሎ ዉዱብን ዕውትን ንጥፈታት እቲ ምንቅስቓስ ይረጋገጽ ኣሎ።

ብርጌዳዉያን ተታሓቢእካ ንዝካየዱ ጸበብቲ ምትእኽኻባት ህግደፍ እንዳለቐሙ የፍሽሉ ከምዘለዉ ዝርአ ዘሎ ኮይኑ እቲ ምሉእ ደገፍ ናይ ኣብ ስደት ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ኣለኒ ኢሉ ዝምካሕ ጉጅለ  ቊንጣሮ ደገፍቱ ኣብ ኣዝዮም ጸበብቲ ክፍልታት ተጨፋሊቘም ብሽቚረራ ክድብሉ ክትርእይ ብርጌዳዉያን ክሳብ ክንደይ ንመሓዉራዊ ህላዌ ህግደፍ ኣብ ስደት ኣጻቢቦም ምህላዎም ዘመስክር እዩ።

ነዚ መንሰያዊ ምንቅስቓስ ኣብ ዘየለዉ ናይ ዓሌት ሃማኖትን ኣዉራጃን ሕሜታታት ሸሚምካ ንምፍርራቚን ምጥቕቓዑን ዝተኻየደ ሽርሒ ከም’ቶም ዝሓለፉ ከምዘይሰለጠ እዉን፡ እቲ ብዓወት ዝቕጽል ዘሎ ወፍሪ ብርጌዳውያን ህያዉ መልሲ’ዩ። ምንቅስቓስ ብርጌድ ንሓመዱ ህዝባዊ ማዕበል ከምዘይኮነ ንምምሳሉ  ህላዌኡን ቀጻልነቱን ምስ ገለ ዉልቀሰባት ንምዝማዱ፡ ጸኒሕካ ድማ ነቶም ዉልቀሰባት ጠቢርካ ንምግምማዑ ዝተተለመ መደብ ህግደፍ ብሳላ እቲ ኣብ ሓጺር እዋን ዉዳቤታቱን ንቕሓቱን ዘበርኽ ዘሎ መንእሰይ ደላይ ፍትሒ ውዱቕ ኾይኑ ኣሎ።

ካብ ምቕናዕ ገዘፍቲ ፈስቲቫላት ተኾሊፉ ናብ ምውዳብ ግልቡባትን ጸበብቲን ውራያት ወሪዱ ዘሎ ህግደፍ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኤውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ብዝተሓደሰ መልክዕን ሜላን ከዉፍሮም መዲቡ ዘሎ ድግሳትን ምትእኽኻባትን ድሮ ብብርጌዳዉያን ተጸኒዖም ዘድሊ ሕጋዊን ካልኣዊን ኣማራጺታት ተቛውሞ ተዳልዩሎም ድሮ ብዙሓት ክስረዙ ይረኣዩ ኣለዉ።

ኣብ ፈለማ ህግደፍ  ንቕሎ ብርጌዳውያን ናይ ጎነጽን ደምነትን መስሊዎ፡ ተረጋጊኡ ነቲ ኩነታት ምስ ህዝቢ ኪፋተወሉን እዩ ሓሲቡ ኔሩ። እንተኾነ ዕላማ እቲ መንእሰያዊ ማዕበል ዕለታዊ እንዳተነጸረን ህዝባዊ ተቐባልነቱ እንዳተዓጻጸፈን ምስ መጸ እቲ ናይ ምልኪ ጉጅለ ኣብ ከቢድ ወጥሪ ኣትዩ ይርከብ።