ህዝብና ኣብ ከመይ ዝበለ ደረጃ ሕሰምን ስቓይን ተሰኒፉ ይነብርን ከምዘሎ መልኽተኛታት ህግደፍ ናብ ኤርትራ ኣብ ዝገሽሎም ኣጋጣሚታት ብዝስንድዎም ተንቀሳቐስቲ ኣሳእል ይረጋገጽ ኣሎ።
ኣብ ስደት ዘደንቕን ዘነይትን ደረጃ መነባብሮ ዘይብሎም ገለ ምስሉያት ናይ ኤርትራ እንዳገሹ ከም ፈታሕቲ ሽግርን ሓለይቲን እንዳተዋስኡ ፡ ንጸገምን ሕሰምን መነባብሮ ህዝብና እንዳቐስቐሱ ለሚዶምዎ ዘለዉ ልግጫ ኣብ መጻኢ ዋጋ ከኽፍሎም ከምዝኾነ ብዙሓት ደለይቲ ፍትሒ የጠንቅቚ ኣለው።

ብስእነት መሰረታዊ ጠለብ ህይወት ተጫኒቚ ግዳ ጭዉነቱ ኣዲብዎ ተጸሚሙ ዝነብር ዘሎ ህዝብና ፡ ኣብ ቃልዕ ከም ለማኒ ሰጢሕካ ከተዋርዶ ካብ ምድፋር ዝኸብድ ገበን ከምዘይህሉ ዘተሓሳሰቡ እቶም መንእሰያት  እዞም ንህግደፍ ኣሚኖምን ብህግደፍ ተመልሚሎምን ኣብ ልዕሊ’ቲ ኹሉ ኣብ ከብዱ ጸይሩ ተካል እዋን ዘሳሊ ዘሎ ህዝብና ዘርእይዎ ዘለዉ ብድዐ፡ “ምስ ግዜ ዘይሕከኽ ሃገራዊ ክድዓት ከምዝኾነ ክርድኦም ይግባእ” ኢሎም።

ህዝቢ ኤርትራ ንዓሰርተታት ዓመታት ብዘይ እኹል መግቢን ማይን ኣገግሎታት ጥዕና፡ መጓዓዝያ፡ መራኸቢታትን ኤሌክትሪክን ከምዝሓስሞ ጌርካ ፡ ፍጹም ተገዛኢን ተንበርካኺን ንምግባሩ፡ ብጉጅለ ህግደፍ ቀዳምነታት ተዋሂብዎም ካብ ዝስረሓሎም ዘሎ ፖሊሲታት ምሕደራ እዮም።
ህዝቢ ብስእነት መሰረታዊ ጠለባት ህይወት ቀዪድካ ካብ ልምዓት ከምኡ’ውን ካብ ዞባዊን ኣህጉራዊን ተወዳዳርነት ነጺልካ ንምኹርናዑ ክሳዕ እዚ ዕለት እዚ ይስራሕ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ  ናይ’ዚ መለሳ መነባብሮ፡ ቊጠባዊ ሓይሊ፡ ከምኡ’ውን ፖለቲካዊን ቴክኖሎጂካዊን ብቕዓት ናይቲ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝብና ተጎቲቱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንዘቤታዊ መግዛእቲ ኽብድህ ዘኽእል ዉሽጣዊ ዓቕሚ’ዉን ዉሒዱ ይርከብ።

ጉጅለ ህግደፍ ፡ ህዝቢ ንወቕታዊ ርኽበትን ሰንሰለታዊ ስእነትን መሰረታዊ ጠለባት ህይወት ጥራይ ኸስተብህልን ኽግዛእን ጌርካ ፡ ፖለቲካዊ፡ ማሕበረ-ቊጠባዊን ወተሃደራዊን ኩነታት ሃገር ብዊንታኡ ጥራይ ኽምእዘን ጌሩ ምህላዉ ይፍለጥ።
ብዘይካዚ ህግደፍ ፡ ህዝቢ ነጻ ጉልበቱ ኣፊሱሎም መለሳ ኣብ ዘይረኸብሎም ናይ ልምዓት መደባት ንዓሰርተታት ዓመታት እንዳህለኸ  ሓይሉን ግዛኣቱን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኸረጋግጽን ኽግምግምን እዩ ዝርአ።

ተገዛእነት ህዝቢ ንምምስካር ጥራይ ፡ እዋናዉነት ዘይመርጹን፡ ብዝቐለለ ጸዓት ኪዕመሙ ዘየሸግሩን ናይ ልምዓት መደባት ንምስልሳል፡ ሽማግለታት እዉን ዘይንሕፉ ዘየቋርጹ ህዝባዊ ወፈራታት ምክያድ ፡ መሰረታዊ ዕላማኦም ልምዓትን ህዝባዊ ረብሓን እንተዝነብር፡ ወፊሮምን ተዓሚሞምን ዝበሃሉ መደባት ልምዓት ኣእላፋት ክንሶም ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝበኣሰ ሕሰም መነባብሮ ይቕጽል ኣይመሃለወን ዝብሉ ተንተንቲ ቊጠባ ሃገርና ብዙሓት’ዮም።

ንህግደፍ ብፍርህን ብረብሓን ዝግዝእዎ ገለ ኤርትራዉያን ስደተኛታት እምበኣር፡ ነዚ ኹሉ እንዳፈለጡ ኣብ ልዕሊ ጸገም ህዝብና ንምዉርዛይ ናብ ሃገር ዘቃንዕዎም ዘለዉ መገሻታት ፡ ኣብ መወዳእታ እንታይ መዘዝ ሒዝሎም ከምዝመጽእ ግዜ ክምልሶ ከምዝኾነ እዮም ኤርትራዉያን መንሰያት ደለይቲ ፍትሒ ኣጠንቂቘም ዘለዉ።