ኣብ ጂዳ ዝጸዓረሉ ዘሎ ሰላማዊ ፍታሕ ኲናት ሕድሕድ ስዳን ሕጂ’ዉን ንዘይተወሰነ ግዜ ክዉንዘፍ ተገይሩ። እዚ ዝተፈልጠ፡ ነቲ ዘተ ሰላም ዘማእዝኑ መንግስታት ስዑዲን ኣመሪካን ክልቲኦም ተራጸምቲ ሱዳን ናብ ነባሪ ፍታሕ ንኽብጻሕ ዘኽእሉ ምትእምማን ዘራጉዱ ስጒምታት ከተግብሩን ሰራዊቶም ካብ ዓበይቲ ከተማታት ከዉጽኡን ገና ፍቓደኛታት ብዘይምዃኖን እዩ።
ክልቲኦም ተራጸምቲ ወገናት ነቲ ይወድቕ ይትስእ ዝነበረ ዘተ ሰላም ዳግማይ ክምለስዎ ቅሩባት ከምዝኾኑ ድሕሪ ምሕባሮም ኣብ ምዝዛም ወርሒ ጥቅምቲ ልኡኻቶም ናብ ጂዳ ሰዲዶም ኪዛተዩ ከምዝጀምሩ ዝዝከር ኮይኑ ብ7 ሕዳር እዉን ኣብ ድሕነት ሰላማዊ ህዝቢን ምዝላቕ ውሑስ መንገድታት ሰብኣዊ ረድኤትን ዓቲቦም ኪሰርሑ ብምርድዳእ ክልተኣዊ ምትእምማን ኣብ ዘርጒዱ መዳያት ቅሩብነት ከመስክሩ ምዃኖም ተመባጺዖም ነይሮም።
እቲ ኣቐዲሙ ብኣላይነት መንግስታት ስዑዲ ዓረብ ኣመሪካ ከምኡዉን ኮሚሽን ኣፍሪቃዊ ሕብረት ተጀሚሩ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ደሓን ዝኾነ ውጽኢት ኣመዝጊቡ ዝነበረ ዘተ ሕጂ ድማ ውድብ ኢጋድ ተጸንቢርዎ ኽቕጽል ምጽንሑ ኣይርሳዕን።
ብመሰረት ሓበሬታ ሱዳን ትሪቡን ሓይልታት ዳዕመል ሰሪዕ ሰራዊቶም ካብ ዓበይቲ ከተማታትን ናይ መጓዕዝያ መስመራትን ከውጽኡ ንዝቐረበሎም ጻዉዒት ዛጊት ክቕበልዎ ከምዘይከኣሉ ብዘይካ’ዚ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ድሕነት ሰላማዊ ህዝቢ ሓላፍነቶም ክስከሙ ስለዘይመረጹን ዘተ ሰላም ጅዳ ዳግማይ ንዘይተወሰነ ግዜ ክዉንዘፍ ኽኢሉ ኣሎ።
ክልቲኦም ወገናት ዝሓለፈ 11 ግንቦት ኣብ ጂዳ ዝኸተምዎ ስምምዕ ድሕነት ሰላማዊ ህዝቢን ኩሉዓይነታዊ ሰብኣዊ መሰላቱን ንኽሕሎ ዘለዎም ቅሩብነትን ብምንጻር ነባሪ ሰላም ንምርግጋጽ ዝተናውሐ ግዝያዊ ምቊራጽ ተጻእኦ ኪሕትሙ ተረዳዲኦም እኳ እንተነበሩ ምስ ግዜ እቲ ኣገዳሲ ስምምዕ ክጠሓስ ብምጽንሑ ዛጊት ኣብ ባይታ ዝጭበት ፍረ ኣይተረኽበን።
ብዘይካ’ቲ ናይ ጂዳ ስምምዕ ተራጸምቲ ሓይልታት ሱዳን ተጻብኦ ናይ ምቊራጽ ካልኦት ሓያለ ግዝያዊ ስምምዓት እኳ እንተኣተዉ እቶም ስምምዓት ሻቡ ክጠሓሱን ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ዝወርድ ዕንወት ዕለታዊ ኪዛይድን ምርኣይ ልሙድ ምህላዉ ይሕበር።
ተራጸምቲ ሓይልታት ሱዳን ፡ ደገፍቲን ዘራያትን ኣዉሒሶም ኣብዚ ኲናት ናይ ኣነ ይሰማዕን ኣነ ይሕይልን መንፈስ ኪዉንኑ ይረኣዩ ብምህላዎም እቲ ጉዳይ ብጸቕጢ ማሕበረሰብ ዓለም ይዂን ሓያላት ሸምግለቲ ፍታሕ ኪርከቦ ኣዝዩ ኣጸጊሙ ከምዘሎ እዪ ብተደጋጋሚ ዝገልጽ።