መንግስቲ ብሪጣንያ ሕጂ’ዉን ምስ ርዋንዳ ዝተመሓየሸ ዉዕል ስደተኛታት ይኣቱ ምህላዉ ሓቢሩ። ሚኒስተር ዉሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ጄምስ ክለቨርሊ ብሰሉስ 5 ታሕሳ ናብ ርእሰከተማ ኪጋሊ በጺሑ ምስ መዘናኡ ቪንሰንት ቢሩታ ብምርኻብ ነቲ ውዕል ድሮ ኸቲምሉ ኣሎ።
እቲ ተመሓይሹ ዘሎ ዉዕል፣ ርዋንዳ ነቶም ካብ ብሪጣንያ ተጠሪዞም ዝመጽዋ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ሃሃገራቶም ከይትመልሶም ዝቕይድ ኾይኑ፣ እታ ሃገር ንተመላሶ ስደተኛታት ውሕስቲ ምዃና ብምርኣይ ፣ መንግስቲ ብሪጣንያ ነቲ ኣቐዲሙ ብላዕለዋይ ቤትፍርዲ ውዱቕ ዝኾነ ምግዓዝ ዘይሕጋዉያን ስደተኛታት ናብ ርዋንዳ ዳግም ንምትግባሩ ነቒሉ ኣሎ።
እቲ ምስ ርዋንዳ ተበጺሑ ዝነበረ ውዕል ንውሕስነት ስደተኛታት ዘየረጋግጽን ፣ ርዋንዳ ነቶም እትቕበሎም ስደተኛታት ጸኒሓ ናብ መበቈል ሃገሮም ኪትመልሶም ዝኽልክላ ወገነ ወይ’ዉን ሕጊ ስለዘየለን ፣ ሕጋዉነት ክህልዎ ከምዘይክእል እዩ ዝሓለፈ ወርሒ ወሲኑ ።
ድሕሪ ዉሳኔ እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ሪሺ ሱናክ እቲ ዉዕል ትንፋስ ዘሪኡ ተግባራዉነቱ ክሳብ ዝረጋግጽ ከዕርፍ ከምዘይኮነ እዩ ክምጒት ቀንዩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ሱናክ፣ መንግስቱ ንርዋንዳ ከም ዉሕስቲ ሃገር ዘፍልጣ ሕጊ ከርቅቕን ፣ መንግስቲ ሩዋንዳ ድማ ነቶም ካብ ብሪጣንያ ዝቕበሎም ሓተቲ ዑቕባ ናብ ትዉልዲ ዓዶም ክመልሶም ከምዘይኮነ ዘተኣማምኑ ሕጋዊ ጽገናታት ንኽገብር ጸቒጡ ኪሰርሕ ከምዝኾነ እዉን ዝሓለፈ ወርሒ ብወግዒ ገሊጹ ነይሩ።
ብዘይካ’ዚ ብሪጣንያ ምስ ርዋንዳ ዝተመሓየሸ ዉዕል ስደተኛታት ንምኽታምን፣ ከም ቤትፍርዲ ኤውሮጳ ዝበሉ ግዳማውያን ኣካላት ድማ መንግስቲ ብሪጣንያ ብጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ዘቃንዖም ዉሳኔታት ኢዶም ከየእትዉ ዝኽልክል ህጹጽ ሕጊ ንምጽዳቕ ይሰርሕ ከምዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱናክ ይሕብር።
እቶም ብቀዳማይ ሚኒስተር ሱናክ ዝፍከረሎም ዘለዉ ሓደስቲ ተበግሶታት ፣ ሕጋውነቶምን ተግባራውነቶምን ኣብ ሓጺር እዋን ኪረጋግጽ ዘየኽእሉ ኣዝዮም ብዙሓት ብድሆታት ከምዘለዉ ግን ዝተፈላለዩ ወገናት የረድኡ።
መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ናብ ሃገሩ ዘብል ዋሕዚ ዘይሕጋዉያን ስደተኛታት ንምኹላፍ ዛጊት ዘንቀሎም ፖሊሲታት ኣብ ባይታ ዝኾነ ውጽኢት ከምዘየመዝገቡ ሓደ ነጻ ትካል መጽናዕቲ ህዝባዊ ፖሊሲ ኣብ ዝዘርግሖ ሓድሽ ጸብጻብ ። Institute for Public Policy Research (IPPR) ኣብ’ቲ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ጸብጻቡ፣ ኣብ ስልጣን ዘሎ ዓቃባዊ ሰልፊ፣ ብመትረብ እንግሊዝ ናብ ብሪጣንያ ንምታእታው ብጀላቡ ዝካየድ ስልኳ-ስደተኛታት ንምግታእ ምስ ከም ርዋንዳ ዝበላ ሃገራት ዝተፈተነ ውዕላት ብዘይፍረ ይሃጒግ ከምዘሎ እዩ ኣረዲኡ።