ኣዴታት ዲሲ ሜሪላንድን ቨርጂንያን (DMV) ኣታዊኡ ንብርጌድ ንሓመዱ ዝውዕል ናይ ድለባ ድራር ንታሕሳስ 9, 2023 ኣብ ካቶሊክ ዩንቨርስቲ ኣዳልየን ምህላወን ሓቢረን። ዕላማ ናይዚ ድለባ ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ዘስፋሕፍሕ ዘሎ ማዕበል ብርጌድ ንሓመዱ ንምድራዕን ምድንፋዕን እዩ።

ኣዴታት ብርጌድ ንሓመዱ ዲሲ ሜሪላንድን ቨርጂንያን (DMV) ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ኣብ ጎኒ ደቀን ሙዃነን ብግብሪ ዘመስከራን ኣብ ቅድመ ግንባር ኮይነን እጃመን ዘበርክታ ዘለዋን እየን። ሕጂ’ውን ነዚ ተበጊሱ ዘሎ ማዕበል ምስ ደቀን ኮይነን ኣብ ዝብጻሕ ከብጽሕኦ እጅገአን ሰብሲበን ተበጊሰን ኣለዋ።

እዚ ናይ ድለባ ምሸት ካብ ሰዓት 6 ድቀ ክሳብ ሰዓት 1 ናይ ለይቲ ኮይኑ ናይ ድራርን ምዝንጋዕን መደብ ዘጠቃለለ ኾይኑ ኩሉ ኤርትራዊ ተቀማጢ ዲስን ከባቢኡ ኣብዚ ናይ ድለባ ምሸት ክሳተፍን ቤተሰቡ ፈተውቱን ሒዙ ኪመጽን እተን ኣዴታት ዓዲመን ኣለዋ።

ቃልሲ ብርጌዳውያን ዉህሉል ቃንዛ ኤርትራዊ መንእሰይ ዘበገሶ ምዃኑ ንኹሉ ርዱእ እንዳኾነ ይኸይድ ምህላዉ በቲ ኩሉ ኣብ ኤርትራ ፍትሕን ርትዕን ክርኢ ዝደሊ ሓቀኛ ሃገራዊ፡ ነዚ መንእሰያዊ ምንቅስቓስ ዝህቦ ዘሎ ደገፍ ክረጋግጽ ይከኣል ኣሎ።

ብእዋናዊ ቃልሲ ብርጌዳውያን፡ ኣብ ኤርትራዊ ደንበ ፍትሒ ዝዓርግን ዝህደስን ዘሎ ናይ ቃልሲ መንፈስ ፡ ነቲ ኣብ ዉሽጢ ኤርትራ ኾይኑ ሓርነት ዘማዕዱ ዘሎ ህዝብና ዝለዓለ ፍናን ፈጢርሉ ከምዘሎ እውንይንገር።

ብርጌዳውያን ፍረ-ብርኪ ናይቲ ንልዕሊ 32 ዓመታት ኣብ ሕሱም ዘቤታዊ መግዛእቲ ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኖም ኣንዳዕዲዑ ዝፈልጥ ህግደፍ ነቶም ተቓለስቲ ንምጉናይ ኩሉ ዓይነት ጸለመ እኳ እንተውፈረ ሜላ ህግደፍ ንእዋናዊ ንቕሓት ህዝብና ይበቅዕ ብዘይምህላዉ  ብዘይ ፍረ ክብርዕን ይርአ ኣሎ።

ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ  ብፍላይ ድማ መንእሰያት ብዛዕባ ጨኳኒ ኣካይዳ ህግደፍ ኣንዳዕዲዖም እንዳፈለጡ፣ ህግደፍ ክሳብ እዛ ሰዓት እዚኣ ሕመቚ ናብ ግዳማዊ ተጻብኦን ግዳማዉያን ተጻባእቲን ካብ ምልጋብ ኣይተገላገለን።

ምስ ዘሎ ህዝባዊ ንቕሓት ኪጓዓዝ ድሌት ይዂን ብቕዓት ዝውሕዶ ጉጅለ ህግደፍ ኹሎም መራሕቱ ሸምጊሎምን ኣብ ሕሉፍ ተሪፎምን ምህላዎም ኸይኣክል፡ ንናይ’ዚ ግዜ ንቑኽ መንእሰይ ብብሉያት ምኽንያታት ከዐሽዉ ክፍትኑ ኽትርእይ ፣ እቲ ጉጅለ እቲ ክሳብ ክንደይ ኣብ ድሕረት ተሪፉ ከምዘሎ ዘነጽር እዩ።