ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ናይ ኣጽዋር እገዳ ዝተገላገለት ሶማል  ሻቡ ምስ ኢትዮጵያ ንሰላምን ጸጥታን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓባር ንምስራሕ ዝድርኽ ናይ ምርድዳእ ሰነድ ምፍራማ ተሓቢሩ። እቲ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ተኸቲሙ ዘሎ ሰነድ ነቲ ቅድሚ ከባቢ ዓሰርተ ዓመታት ተኣትዩ ዝነበረ ተመሳሳሊ ጸጥታዊ ስምምዕ ዘሐድስ ከምዝኾነ እዩ ዝንገር።

እቲ ተሓዲሱ ዘሎ ምርድዳእ ኣብ ምስልጣን ሰራዊት፡ ምልውዋጥ ሰልያዊን ጸጥታዊን ሓበሬታ ምቅላስ ሽበራ ሰብኣዊ ደገፍን ምውሓስ ጸጥታ ማያዊ ኣካልን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል እዩ። ንተግባራዉነት እቶም ተበጺሖም ዘለዉ ስምምዓት ዝከታተልን ዘማእዝንን ወተሃደራዊ ኮሚተ እዉን ቈይሙ ኣሎ።

ነቲ ናይ ምርድዳእ ሰነድ ዝኸተሙ ሚኒስተራት ምክልኻል እተን ሃገራት ሶማልን ኢትዮጵያን ኣብ ምቅላስ ሽበራ ቅርሰና ባሕሪ ክሊማዊ ለዉጢን ካልእን ልዕሊ ኻልእ እዋን ሓቢረን ክሰርሓ ተቐሪበን ከምዘለዋ እዮም ገሊጾም።

ህግደፍ ጽዑቕ ወተሃደራዊ ምሕዝነት ብምስማር ኣብዚ ዞባ መሻርኽቱ ኪገብራ ኪጽዕረላ ዝጸንሐ ሶማል ብድፍኢት ኣመሪካን መሓዙታን ናይ ኣጽዋር እገደኣ ስለዝተቐንጠጠላ  እተን ሃገራት ምዕራብ ናብ ዝበልኣ ሸነኽ ክትጽጋዕን ምስ ዝመረጻላ ሃገራት ኪትሻረኽን ክትግደድ ምዃና ኪግመት ጸኒሑ እዩ።

ሶማል ብጽዑቕ ደገፍ ምዕራባዉያን ካብ እገዳ ኣጽዋር ምልቓቓ ነቲ ምስታ ሃገር ፖለቲካዊን ወተሃደራዊን ምሕዝነት ከደላድል ዝጸንሐ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ዓቢይ ሃስያ ከምዝኸዉን ኣብ እዋኑ ሓቢርና ኔርና። ምዕራባዉያን ሃገራት መለሳ ናይቲ ንሶማል ጌረንኦ ዘለዉ ሓለፋ  ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓመድ ኣብ ምሉእ ተማኣዛዝነተን ኣትዩ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ተቓሪቡ ክሰርሕ ክጽበያ ምዃነን እዉን ተኣሚቱ ኔሩ።

ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር እዉን ኢትዮጵያን ጂቡቲን ኣብ ጸጥታዊ መዳያትን ተዛመድቲ ጉዳያትን ሓቢረን ክሰርሓ ዝድርኽ ናይ መርድዳእ ሰነድ ምኽታመን ዝዝከር ኮይኑ እቲ ዝተበጽሐ ምርድዳእ ነቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ ዞባ ኣንቂላቶ ዘላ ናብ ኤርትራ ዘነጻጸረ ሕቶ ዋንነት ባሕሪ ድርዒ ንምውሓስ ተሓሲቡ ተበጺሑ ኸይከዉን ግምታት ከምዘሎ ተዘሪቡ ነይሩ።