ድሕሪ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጸሓፊ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ንክልቲኦም ተራጸምቲ ወገናት ሱዳን ብገበናት ኲናት ምዉቃሱ ልኣላዊ ባይቶ ሱዳን ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰራዊቱ ዚዘነበ ኣመሪካዊ ክሲ ብምንጻግ ኣመሪካ ነቶም ንሓይልታት ዳዕመልሰሪዕ ደገፍ እንዳሃቡ ንኲናት ሕግድሕድ ሱዳን ዘጓህሩ ዘለዉ ዞባዉያን ሓይልታት ክትወቅስ ዘይምድፋራ ከምዘገረሞ ኣተሓሳሲቡ።
ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሱዳን ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ምምሕዳር ዋሺንግተን ነቲ ብኸም ሕቡራት ኤማራት ዓረብ ዝበላ ዞባውያን ሓይልታት ንዳዕመልሰሪዕ ኣጽዋር እንዳዕጠቓ ኣብ ምብኣስ ኲናት ሱዳን ዝጻወትኦ ዘለዋ ኣሉታዊ ተራ ዕሽሽ ምባሉ ቅኑዕ ከምዘይኮነ እዩ ወቒሱ ዘሎ።
ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን መግለጺኡ ሃገሩ – ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ዳዕመል ሰሪዕን ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ሱዳን ገበናት ኲናት ይፍጽሙ ምህላዎም ከምትኣምን እዩ ኣነጺሩ። ንሱ ኣብቲ ናይ 6 ታሕሳስ መግለጺኡ ክልቲኦም ሱዳናዉያን ወገናት ነቲ ዘይተደልየ ኲናት ኣብ ምግፋሑ ኣማስያኡ ድማ ኩሉዓይነታዊ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ኣብ ምዝያድ ይዋስኡ ከምዘለዉ ወቒሱ ብብክልቲኦን ንኣህጉራዊ ሕጋጋት ክምእዘዙን ንገበነኛታት ኲናት ድማ ናብ ሕጊ ከቕርቡን እዩ ጸዊዑ።
ሕቡራት ኤማራት ዓረብ ንሓይልታት ዳዕመል ሰሪዕ ኩሉዓይነታዊ ደገፍ እንዳሃበት ንኲናት ሕድሕድ ሱዳን ኣብ ምብኣስ ልዑል ተራ ትጻወት ምህላዋ ምክትሉ ንጀነራል ዓበደልፋታሕ ኣቡርሃን ዝኾነ ጀነራል ያሲር ኣልዓጣ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ብወግዒ ገሊጹ ኔሩ። ጀነራል ያሲር ኣብ ዘረባኡ፣ እታ “ናይ ማፍያ ሃገር” ኢሉ ዝጠቐሳ ኤማራት፣ ብመንገዲ ኡጋንዳ፡ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃን ጫድን ኣቢላ ኣዝዩም ዝተራቐቚ ብረታትን ሰብኣልቦ ነፈርቲን እንዳለኣኸት ንሓይልታት ዳዕመልሰሪዕ ጸግዒ ኾይናቶም ከምዘላ እዩ ወቒሱ።
ኣብ’ቲ ኣብ 2019 ንዑመር ኣልበሺር ካብ ስልጣን ዝኣለየ ወተሃደራዊ ዕልዋ ገዚፍ ደገፍ ከምዝገበረት እትሕመ ኤማራት ኣብ ሱዳን ትጽበዮም ዝነበረት ቊጠባዊ ረብሓታት ብዘተፈላለዩ ምኽንያት ይኹለፍዋ ብምህላዎም ፣ ንረብሓታታ ከሳኽዕ ዝኽእል ሓይሊ ናብ ስልጣን ንምምጻእ ብከዉሊ ትሰርሕ ምህላዋ እዮም ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ዝትንትኑ።
ሓይልታት ዳዕመል ሰሪዕ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሱክዳን ርኡይ ጸብለልታ የመዝግቡን ንዝሰፍሐ ከባቢታት ካርቱም ተቘጻጺሮም ድማ ኣብ ዞባ ዳርፉር ዘየጓርጽ ገስጋስ የርእዩን ከምዘለዉ ዝሕበር ኮይኑ፣ በዚ ኣብ ከቢድ ጸቕጢ ዝወደቐ ወተሃደራዊ መራሒ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣቡርሃን ፣ ንሰላማዊ ዘተ ዘቐድሙ ዞባዊ ተበግሶታት ክጽውዕን ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ደገፍ ንምርካብ ዲፕሎማስያ ወፍርታት የጽዕቕን ከምዘሎ ይንገር።
ሻሙናይ ወርሑ ኣቚጺሩ ዘሎ ኲናት ሕድሕድ ሱዳን ዛጊት ህይወት ልዕሊ 10 ሽሕ ሰላማውያን ሰባት ክወስድ እንከሎ ፣ ንዓሰርተታት ኣሽሕት ካልኦት ኣቚሲሉ ንልዕሊ 6.5 ሚልዮን ህዝቢ ኣፈናቒሉ ከምዘሎ ይንገር።
ሕቡራት ኤማራት ዓረብ ነቲ ካብ እዋናዊ መንግስቲ ሱዳን ዝዘንባ ዘሎ ክሲ ብቐጻሊ ትነጽጎ ዘላ ኾይና ብፍላይ ድሕሪ’ቲ ናይ ጀነራል ያሲር ኣልዓጣ ወቐሳ ምስ ሱዳን ዝጸንሓ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ተጽብብ ምህላዋ ይንገር። ናይዚ ቀረባ ኣብነት ፣ ብ9 ታሕሳስ – ኤማራት ንሰለስተ ላዕለዎት ኣባላት ኤምባሲ ሱዳን ኣብ ሃገራ ኣብ ዉሽጢ 48 ሰዓታት ጠቕሊሎም ኪወጽኡ ኣዚዛ ኣላ።