ህግደፍ ፡ ኣስማት ዘይ-ደቀባት ኣብ ታቦትና ኣይንጽንብርን ስለዝበሉ ንልዕሊ 6 ዓመታት ታቦቶም ኣሕዲጒ ቤትክርስትያኖም ዓሺግሎም ንዘሎ ተወለድቲ ዓዲ-ቀ ንኡስ ዞባ ጋላነፍሒ ናይ ዞባ ማእከል እቲ ታቦት ኣስማት ተወሲኽዎ ኽምለስ ዝብል ዳግማይ ሓንሳብ ኣንቂሉ ብደቂ እቲ ዓዲ ዳግማይ ብምንጻጉ፣ ዛጊት 13 ሰባት ናብ መዳጐኒ ማእከል ማይስርዋ ተወሲዶም ከምዘለዉ ነበርቲ ሓቢሮም።
እቶም ብመጸዋዕታን ኣባላት ጸጥታ ብምስዳድን ተመቚሖም ተወሲዶም ዘለዉ ዜጋታት፣ በረኸት እስቲፋኖስ፡ክፍሊት ሃብተ፡ሃብተማሪያም ረዳእ፡ማሓሪ ነጋሲ፡ተስፉ ነጋሲ፡ሓዲሽ ነጋሲ፡ቀሺ መንግስ ነጋሲ፡ቀሺ የማነ ሰረቀ፡ክብርኣብ ነጋሲ፡በረኸት ነጋሲ፡ገረዝጊሄር ተስፋይ፡ተኽለማሪያም ተስፋይን ቀሺ ተኪኤ ጎይትኦምን ዝተባህሉ ምዃኖም እዉን ተረጋጊጹ ኣሎ።
ከምዝዝከር ፣ ደቀባት ተወለድቲ እታ ዓዲ ቅድሚ 6 ዓመታት ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ተሪር ተቛውሞ ስለዘስምዑ ፣ ኣብቲ ታቦት ኣስማት ወለደኦም ክጽንበር ዝደለዩ ወገናት ንዝፈልጥዎም ወተሃደራዉያን ሰብስልጣን ኣፍትዮምን ንብርጋዴር ጀነራል ኣብራሃ ካሳ ኣሚኖምን እቲ ጉዳይ ካልእ መልክዕ ኪሕዝ ከምዝገበሩ፣ ኣብራሃ ካሳ ኣባላት ጸጥታ ልኢኹ ንጠለብ እቶም ዘይደቀባት ከማልእ ኣብ ዝፈተነሉ ድማ ምስ ነበርቲ ኣብ ግጭት ተኣትዩ ሓደ ሰብ እዉን ምማቱ ይንገር።
ድሕሪ’ዚ ህግደፍ ነታ በተቅርስትያን ታቦታ ወሲዱ ከምዝዓሸጋን ክሳዕ እዚ ሰዓት እዚ ድማ ብሰራዊት ትሕሎ ምህላዋን ይሕበር።
ነበርቲ እታ ዓዲ ናብ ኣብያተክርስትያን ካልኦት ዓድታትን ጐደቦታትን ከይዶም ከም መርዓ፡ ጥምቀትን ሞትን ንዝበሉ ማሕበራዊ ጉዳያት ዝኾነ ኣገልግሎት ከይረኽቡ ከምዝኸልከለ ዝሕብሩ እቶም ነበርቲ ናብ ርሕቕ ዝበላ ዓድታት እንዳኸዱ ተሓቢኦም ነቲ ኣገልግሎት ኪረኽቡ ከምዝግደዱ እዮም ዘምርሩ።
ህግደፍ ድሕሪ’ዚ ክንደይ ዓመታት ደቀባት እታ ዓዲ ኣላሽ ኢሎም ይኾኑ እዮም ካብ ዝብል ሓሳብ ነቲ ታቦት ኣስማት’ቶም ጸኒሖም ነታ ዓዲ ዝተጸንበርዋ ወለዶታት ክዉሰኾ ዝብል ትእዛዝ ደጊሙ እኳ እንተበራበሮ እቶም ዓዲ ኣብ ቃሎም ጸኒዖም ብምህላዎም እውዩ ነገለ ካብኣቶም ኣሲሩ ዘሎ።
ሃገራዊ ስኒትን ሓድነትን ኣብ ትሕቲ ዝብሉ ምስሉያት መትከላቱ ህግደፍ ኣብ ማሕበረ-ባህላዊን ሃይማኖታዊን ዓንድታት ሕብረተሰብና ዘስምሮ ዘሎ ዕንወትን ዉድቀትን ቀሊል ኣይኮነን።