ኣቦመንበር ልኣላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣቡርሃንን ኣዛዚ ሓይልታት ዳዕመልሰሪዕ መሓመድ ሓምዳን ደጋሎን ተጻብኦ ደዉ ናይ ምባል ስምምዕ ኪኽትሙ ምስምማዖም ዋናጸሓፊ ውድብ ኢጋድ ውርቅነይ ገበየሁ ሓቢሩ።

እዚ ሓበሬታ ዝወሃብ ዘሎ ድሕሪ’ቲ ኣብ ጂቡቲ ብጉዳይ ሱዳን ዝተኻየደ ፍሉይ ኣኼባ መራሕቲ ኣባል ሃገራት እቲ ዉድብ እዩ።ዋናጸሓፊ ወርቅነይ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣብ’ቲ ኣኼባ ድሕሪ ዝተኻየደ ጽዑቕን ምንህሃር ዝተራእየሉን ዝርርብ ናብዚ ኣተስፋዊ መድረኽ ከማተበጽሐ እዩ ገሊጹ።

መንግስታዊት ማዕከን ዜና ጂቡቲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ድማ ፕረዚደንት ሃገራ እስማዒል ጉሌ ናብ መራሒ ሓይልታት ዳዕመል ሰሪዕ ደዊሉ ነቲ ስምምዕ ክቕበል ከምዝደረኾ ጠቒሳ ክልቲኦም መራሕቲ ተራጸምቲ ወገናት ሱዳን ኣብ ዉሽጢ 15 መዓልታት ብኣካል ተራኺቦም ሓባራዊ ምትእምማን ኣብ ዘዛይዱን ናብ ሰላማዊ ፖለቲካዊ መስርሕ ዘሰጋግሩን ኣማራጺታት ክዛተዩ ምስምማዖም ኣረዲኣ ኣላ።

ኣብቲ ኣብ ጂቡቲ ዝተቓንዐ ፍሉይ ኣኼባ ፣ ኣብ ሞንጎ ጀነራል ኣቡርሃንን ኣብቲ ኣኼባ ዝተረኽቡ መራሕቲ ሃገራት ኢጋድን ቈይቂ ዝተሓወሶ ምምልላስ ይርአ ምንባሩ ዝሕብሩ ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ፣ መራሕቲ ሃገራት – ጀነራል ኣቡርሃን ምስ መሓመድ ሓምዳን ደጋሎ ኪራቐብ ጸቕጢ ከምዝገበርሉ ይዛረቡ።

ጀነራል ኣቡርሃን ኣብቲ ናይ ጂቡቲ ኣኼባ፣ ሓይልታት ዳዕመልሰሪዕ ካብ ከተማታት ከይወጽኡ ዕቁት ሰላማዊ ፖለቲካዊ መስርሕ ክህሉ ከምዝይኮነ ብምምጓት ሰራዊት ሱዳን እዉን ብስምምዕ ካብ ዘይተደልዩ ከብባቢታ ከርሕቕ ቅሩብ ምህላዉ እዩ ኣረዲኡ።

ፖለቲካዊ ሓይሊ ብምርጫ እምበር ብናዕቢ ከምዘይረጋገጽ ዝጠቐሰ ጀነራል ኣቡርሃን ልኣላዊነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሱዳን ዝሕሉ ሓደን ተሓታቲን ሰራዊት ክህሉ መሰረታዊ ከምዝኾነ ብምዝኽካር ፣ ጉዳይ ሱዳን ነባሪ ፖለቲካዊ ፍታሕ ኪረክብ ሰናይ ድሌት ናይ ኩሎም ሱዳናዉያን ኪዛይድ ከምዘድሊ እዩ ኣተሓሳሲቡ።