ህግደፍ ብመንገዲ ደገፍቱን ናይ ጐስጓስ መሓዉራቱን ጀሚርዎ ዘሎ ግሁድ ኣዉራጃዊ ምጥቕቓዕ ፡ መሰረታዊ ዕላማኡ ፡ ነቲ መትከሉ ልዕሊ ካልእ እዋን ኣጽርዩ ተግባራዊ ቃልሲ ዘዐዉት ዘሎ ደንበ ፍትሒ ኣንፈቱ ንምስሓት ምዃኑ መመምሊሱ ይበርህ ኣሎ።
ኣብ ስደት ዝነበሮ ጽልዋ ሃሲስዎ ዓቕሉ ኣጽቢቡ ዘሎ ህግደፍ፣ ኣንጻር እቲ ንዓመታት ዝመደረሉ ሓድነት ብሄራትን ልብታትን ደዉ ኢሉ ደገፍቱ ኣዉራጃ ኣለልዒሎም ኪከራፈሱ እሞ ደንበ ፍትሒ ድማ ጸርጊ ናይቲ ክርፍስ ተንኪፍዎ ካብ ገስጋሱ ክዝሕትል እዩ እቲ ዕላማ።
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብረበሻኦም ዝልለዩን ኣብ ደንበ ህግደፍ ቀሊል ዘይኮነ ጽልዋ ዘለዎምን ዉልቀሰባት ነዚ ሓድሽ ሽርሒ ከራብሑ ስራሕ ተዋሂብዎም ይዋስእዎ ከምዘለዉ እዉን ይምስከር ኣሎ።
ንዝጸንሑን ዕለታዊ መልክዕ እንዳቐየሩ ንዝፍልፍሉን ሽርሕታት ህግደፍ ሻቡ ዘቕልበሎም ዘሎ ደንበ ፍትሒ፣ ኣባላቱ ናብዚ ሓቂ ዝመስል ናይ ኣዉራጃ ኲናት ተሳሒቦም ጸግዕን ወገንን እንዳመረጹ ምስ ናይ ፍትሒ መቓልስቶም’ዉን ከይተረፈ ኪረሓሓቚ ንምግባር ተጀሚሩ ዘሎ ሜላ ዝነኣሰ’ዉን ይኹን ኣድህቦ ኽወሃቦ ከምዘይብሉ ኣዩ ዝሕበር ዘሎ።
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝነጥፉ መልኽተኛታት ህግደፍ፣ ንይምሰል ተጎጃጂሎም ኣዉራጃዊን ሃይማኖታዊን ምጥቕቓዕ ክጅምሩ መደብ ስራሕ ከምዝተዋህቦም፣ ምንጭታት ኤሪሳታ ዝሓለፈ ወርሒ ምሕባሮም ኣይርሳዕን።
እቶም ምንጭታት ኣብቲ ሽዑ እዋን፣ ኣብ መሳዂቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምሉእ መዓልቲ ኣካዲሞም ዝውዕሉ መልኸተኛታት፣ ከምዝተበኣሱ መሲሎም ብዓሌትን ሃይማኖትን ኽከራፈሱ እሞ ኤርትራዊ ደላዪ ፍትሒ ካብ ቃልሱ ተኣልዩ ብቚርቊስ እቶም ተዋሳእቲ ቀሲኑ ካብ ናህሩ ንምዝሓል ብህግደፍ ሓድሽ ድራማ ተዳልዩ ከምዘሎ እዮም ሓቢሮም።
ብፍላይ ኣብ ደንበ ፍትሒ ነይሮም ወቕቲ መሪጾም ናብ ህግደፍ ኢዶም ሂቦም ዝጸንሑ ወገናት በዚ ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ምጥቕቓዕ ወፍሪ ካብ ጌጋኦም ተኣሪሞም ናብ ደንበ ፍትሒ ክምለሱ ከምዝተቐሰቡ ብምምሳል ናብዚ ደንበ ክጽንበሩ ክፍትኑ መደብ ከምዘሎ እዉን ተነጊሩ ኔሩ።