ህግደፍ ኣብ መላእ ሃገር ኣልማሚ ግፋታት የካይድ ከምዘሎ ተሓቢሩ። ምስ ኢትዮጵያ ዘይተርፍ ኲናት ኣሎ እንዳበለ ዘወግዓዊ ጐስጋሳት ዘራብሕ ዘሎ እቲ ጉጅለ በዚ ኣመኽንዩ ኣብ ሃገር ተሪፎም ዘለዉ ዝርካቦም መንእሰያትን ተመሃሮን ኽለቕም ይጓየ ምህላዉ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ዘረድእ።

ህግደፍ ኣብ ስደት ንዘሎ ህዝቢ ንምድንጋርን ንምስዳዕ ደጊም ገዝፍቲ ልምዓታዊ መደባት ሓንጺጹ ኣብ ምትግባር ተጸሚዱ ከምዘሎን ኣብ ስግር ባሕሪ ዘሎ ኩሉ ኤርትራዊ ድማ ኣብዚ ሓድሽ ሃገራዊ ተበግሶ ዓቕሙ ብዘፍቅዶ ኪሳተፉን ይጉስጉስ’ኳ እንተሎ፣ ኣብ ዉሽጢ ኤርትራ ዘሎ ኰናታት ግን ካብዚ ዝተፈልየ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

ሃገር ክንጽልን ከድሕርን እምበር ከልምዕን ኸገስግስን ብቕዓት ዝውሕዶ ህግደፍ፣ ነዚ ምስ መንግስቲ ኣቢይ ኣሕመድ ዘንጸላሉ ዘሎ ሓድሽ ሓደጋ ኲናት ኪሰምር ልዕሊ ዝኾነ ወገን ተሃንጥዩ ከምዘሎ ክንሕብር ጸኒሕና ኢና። ኢትዮጵያ ባሕርና ደልያ ትመጽእ ኣላ ዝብል ገዚፍ ምኽንያት ረኺቡ ዘሎ ህግደፍ፣ ነዚ ዘንጠጢ ዘሎ ሓድሽ ኲናት ኣብ ምንዋሕ ዕምሪ ስልጣኑ ክጥቀመሉ ኢጅጋኡ ሰብሲቡ ምድላዋት የጻፍፍ ከምዘሎ እዩ ዝንገር።

ኣስማት ናይቶም ኣብ ኲናት ትግራይ ዝወደቚ መንእሰያት ከይሕብር ሓፊሩ ኣጽቂጡ ዝጸንሐ ህግደፍ፣ ነቶም ወገናትና ምስቶም ኣብዚ ዝምጽእ ዘሎ ሓድሽ ኲናት ዝወድቊ ደብሊቕካ ፣ ሃገሮም ኪከላኹሉ ከምዝሓለፉ ንምምሳል እዉን ተወጢኑ ኣሎ።

ብዛዕባ’ቲ ምስ ኣቢይ ኣሕመድ ከቃንዕዎ ሸሪሖምዎ ዘለዉ ሓድሽ ኲናት ኪዛረብ ከምዘይደሊ እንዳመሰለ፡ ብመንገዲ ዘይወግዓውያን መሓዉራት ዜናኡ ግን ድዑቕ ጐስጓስ ኲናት ዘካይድ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ፣ ኣብዚ ግዜ እዚ ምስ ኣቢይ ኣሕመድ ይዂን ምስ ዝኾነት ጎረቤት ሃገር ምርጻም እቲ እንኮ ኣብ ስልጣን ክጸንሓሉ ዝኽእል ኣማራጺ ኮይኑ ተራእይዎ ብምህላው፣ ነዚ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ዝመሻጠርሉ ዘለዉ ኲናት ልዕሊ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ፡ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ሓለፋ ተሓንጥይሉ ከምዘሎ ሓቢርና ኢና።

ኩለን ኣብ ውሽጢን ግዳምን ዝነጥፋ ዘይወግዓውያን መሓውራት ጐስጓስ ህግደፍ ዝነዝሕኦ ዘለዋ ፕሮፖጋንዳን ኣብ ልዕሊ ኣቢይ ኣሕመድ ዘዝንብኦ ዘለዋ ተዂተዂቲ ዘለፋታትን  ህግደፍ ነዚ ኲናትን ነገርን ክሳዕ ክንደይ ሓለፋ ደሊይዎ ምህላዉ ዝነጽሩ ናይ ቀረባ ኣብነታት እዮም።