ኢትዮጵያ ሓድሽ ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት መዚዛ። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 5 ዓመታት ሰበስልጣን ኰነ ሚኒስተራት ኣብ ሓጺር እዋናት ክቐያየሩ ይኹን ክወርዱን ክድይቡን ምርኣይ ልሙድ ኰይኑ ከም ዘሎ ተዓዘብቲ የረድኡ።
ኣብ ቐረባ ሳምንታት ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያትን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ኰይኑ ክሰርሕ ዝጸንሓ ኣቶ ደመቀ መኰነን ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ፡ንዑዑ ብምትካእ ኣምባሳደር ታየ አጽቀ ስላሴ ከም ዝተሸመ ዝዝከር’ዩ። እንሆ ሎሚ ድማ ንወሃቢ ቃል ኣምባሳደር መለስ ኣለም ብምትካእ መንእሰይ ዲፕሎማት ነብዩ ተድላ ከም ዝተመዘዘ ካብታ ሃገር ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ። ካብ ዜና ኢትዮጵያ ከይወጻእና ድማ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ቦታ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ኰይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ኣቶ ሬድዋን ሑሴን ናብ ትካል ሃገራዊ ድሕነት ድሕሪ ምሻሙ፡ንዑዑ ተኪኡ ዝመጸ ሰብ ዛጊድ ከም ዘይጸንሐ ዝፍለጥ’ዩ።
ሎሚ ግን ዶ/ር ቀንኣ ያዴታ ንጸፍሒ ሓላፍነት ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕንነት ከም ዝተመዘዘ ካብ ኢትዮጵያ ዝተረኽበ ሓበሬታ ይሕብር። ዶ/ር ቀንኣ ያዴታ ቕድሚ ሎሚ ኣብ ዘመነ ኣቢይ ኣሕመድ ከም ሚኒስተር ሚኒስትሪ ምክልኻን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከም ሓላፊ ጸጥታን ምምሕዳር መሬትን ኰይኑ ሰሪሑ ከም ዝፈልጥ መዝገብ ማህደራቱ የረድእ።