ኣብ መንጎ ዉድባት ብልጽግናን ህወሓትን ፓለቲካዊ ዝርርብ ተጀሚሩ። ብምክትል ፕረዚደንት ዉድብ ብልጽግና ኣቶ ኣደም ፋራህ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ምስ ህወሓት ኣብ ከተማ መቐለ፡ሎሚ ዕለት 2 ሚያዝያ 2024 (ወይ ድማ 24 መጋቢት 2016 ዓ/ም) ከም ዝዘተዩ ጋዜጠኛ ኢትቪ ኣቶ ኣብራሃ ካሳ ዝዘርግሖ ሓበሬታ የረድእ። ዉድባት ብልጽግናን ህወሓትን ብዙሕ ዘየሰማምዖም ነገራት ከም ዘሎ ብዝተፈላለዩ ተንተንቲ ፖለቲካ ክግልጽ ጸኒሑ እዩ።
ኣቶ ኣደም ፈራሕ ብደረጃ ማዕረ ሚክትል ሚኒስተር ኣብ መስርሕ ህንጸት ዲሞክራሲ ስልጣን ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ዝተውሃበሉ እዋን ንዝርርብ ምስ ህወሓት ምምዛዙ ዘርእይ ነገር ተሃልዩ ናብ ቅድሚት ገጽ ይመጽእ ምህላዉ መርኣያ እዩ ክብሉ ገለ ገለ ፖለቲከኛታት ንኤሪሳት ዝሃብዎ ሓበሬታ የረድእ። ክቡራት ተኸታተልቲ ኤሪሳት ነዚ ጉዳይ ዝምልከት ተኸታቲልና ምዕባለታት ሒዝናልኩም ክንመጽእ ምኳንና ክንሕብር ንፈቱ።