ጋዜጠኛ ሚልክያስ ምሕረትኣብ “ሰባር ስቕታ” ኣብ መበል 3ይ ዓመተ ዕረፍቱ እንክዝከር። ሚልክያስ ምሕረትኣብ፡ካብ ኣብኡ ኣቶ ምሕረትኣብ ዮሃንስን ካብ ኣዲኡ ወ/ሮ ሰማይነሽ ተስፋየሱስ፡ኣብ ከተማ ኣስመራ፡ኣብ ከባቢ ኣብ ኣኽርያ ተወሊዱ ክሳዕ ወዲ 4 ዓመትን ሹድሽተ ወርሕን ድሕሪ ምቕማጡ፡ምስ፡ወለዱ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምኻዱ፡ኣብ ከተማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ከባቢ ጎላ ሚካኤል ዝዓበየ ሚልክያስ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ኣብ 1991 ኣብ ህንጸት ዝፈትዋ ሃገሩ ክሳተፍ ናብ ኣስመራ ኸደ።ሚልክያስ ተውለ ዓያይ ብምንባሩ ኣብ መኣዲ ስራሕ ተዋፊሩ እናሰርሐን ነብሱ እናኣለየን ኣብ ዓመተ 1995 ብ ብደረጃ ዲፕሎማ ካብ ኣስመራ ዩኒቨርስቲ ተመሪቐ። ኣብ ሳልሳይ ዙር ወሪዱ ኸኣ ተዓሊሙ ሃገራዊ ግቡኡ ወዲኡ ተመሊሰ።እንተኾነ ኣብቲ ንሱ ዝተመልሰሉ እዋን ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ብዓውደ ሕጊ ብደረጃ ማዕረግ ዲግሪ ትምህርቲ ክትህብ ምስ ጀመረት፡ኣብ ዓመተ ትምህርቲ 1997 ብዓውደ ሕጊ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ብዲግሪ ተመሪቚ መኣዲ ትምህርቱ ዛዘመ።
ኣብ 1996፡ብህግደፍ ዝምራሕ መንግስቲ ኤርትራ፡ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ንክምስረታ ዘፍቅድ ሕጊ ፕረስ ብምእዋጁ ገለ ገለ ግዱሳት መንእሰያት፥ ንህዝቢ ክምህሩ ይኹን ክሕብሩ ሃንቃ ዝነበሮም መንእሰያት ተወዳዲቦም ዝተፈለላያ ጋዜጣታት ከም ዝመስረቱ ታሪኽ ትማሊ’ዩ። ምልክያስ ምሕረትኣብ ንፈለማ ኣብ ጋዜጣ ሪም ብምምስራትን ብምንጣፍን ኣሰሩ ኣዕረፈ። ብድሕሪኡ ድማ ኣብ ጋዜጣ ሪም ንሓጺር ጊዜ ብምንጣፍ፡ሚልክያስ፡መድሃኔን ሃብትኣብን ምስ ዝተባህሉ ኣዕሩኽቱ፡ንጋዜጣ ቀስተ ደበና ብምጥያሽ ዓይንን እዝንን ህዝቢ ብምዃን መስትያት መንግስቲ ብምዃን ሰሪሖም እዮም። ሚልክያስ ኣብ ጎድኒ ህዝብን ውጹዓትን ብምዃን ንፖሊሲታት መንግስቲ ብድፍረት ብምንቃፉ ብተደጋጋሚ ተኣሲሩን ተፈቲሑን እዩ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ኩለን ጋዜጣታት ብሕቲ ኣብ ዓመተ 2001 ቅድሚ ምዕጻወን ሒደት መዓልታት፡ንዋራ ብዕድል ፈጣሪ ካብ ማእሰርቲ ኣምሊጡ ፈለማ ንሱዳን፥ብመገዲ ኢትዮጵያ ከኣ ናብ ኣመሪካ ተሰዲዱ፣ክነብር ድሕሪ ምጽናሕ ብሕማም ምኽንያት፡ብዕለት 21 መጋቢት ዓመተ 2021፥ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ካብዛ ዓለም ብሞት ከም ዝተፈለየ ዝዝከር’ዩ።
ምልክያስ ምሕረትኣብ፡ዝበዝሕ ባህሪኡን ጠባዩን ካብ ኣዲኡ ከም ዝወረሶን እቲ ጠባይን ባህርን ድማ ካብ ኣቶ ተስፋየሱስ ዝተወርሰን ዝተቀድሐን ምኳኑ ወላዲት ኣዲኡ የውስኣ እየን። ኣብዚ ሕጂ እዋን ወለዱ ንምልክያስ ምስ ክልተ ዉልዶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ እዮም ዝነብሩ ዘሎዉ። ኣቡኡ ኣቶ ምሕረትኣብ ወዲ 95 ኣቢሎም እዮም ዝኰኑ፡ኣዲኡ ድማ 85 ከም ዝገበራ ይዛረባ እየን። ብሞት ሚልክያስ ወላዲት ኣዲኡ ማዕረ ክንደይ ከቢድ ሃስያ በጺሕወን ምንባሩ ፈላጢኣን ይፈልጦ። ሳላ ግዱሳት ብጾቱን መቕርቡን ቤተሰብን ፈለጥተንን ክጸናንዓን ክድበሳ ምኽኣለን ባዕለን ከይተረፈ ዝምስክርኦ ጉዳይ እዩ። ንትካል ኤሪሳት፥ኣሰናን ካልኦት ማዕከናት ዜናን ደጋጊመን ከመስግና ይረኣያንን ይስምዓን እየን።ንዶ/ር ሳባ ተስፋዮሃንስ መሰልታን ኣመስጊነን ኣይውድኣን እየን። ሚልክያስ ኣጋጣሚ ኰይኑ ዉላድ ኣይወለደን።ሓወልቱን ርስቱን ታሪኹን ታሪኹ ጥራሕ እዩ። እሞ ኣብ መበል 3ይ ዓመተ ዕረፍቱ ንሚልክያስ ክንዝክሮን ሕድርታቱን ድሌት ወላዲት ኣዲኡ ከነማልእ ንጽውዕ። ምልክያስ እቲ ሰባሪ ስቕታ ዝብል ሕላገት ትብዓትን ጽንዓትን ብስም ማስተሬ ዝልለይን ዝጽዋዕን ምንባሩ ብዙሓት ዝዝክርዎ እዮም። እሞ ንሕና እውን ኣሰሩ ተዀልኪልና፡ንሓቅን ፍትሕን ስቕታና ክንሰብር ንላቦ።