ሓረስቶት ዞባ ዓንሰባ ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ ናብ ዕዳጋ።

ብመሰረት ትካል ኤሪሳት ካብ እሙናት ምንጭታት ዝረኸበቶ ሓበሬታ፡ ኣብ ዞባ ዓንሰባ እቶም ጀርዲን ዘለዎም ሓረስቶት ኣብ ሰሙን ክልተ ጊዜ ጥራይ ፍርያቶም ክሸጡ፡ እዚ ማለት ኣብ ሰሙን ክልተ ጊዜ ጥራይ ካብ ፍርያቶም ብምሕፋስ ኣብ ክልተ ፍሉጣት መዓልታት ጥራይ ንፍርያቶም ናብ ዕዳጋ ከቕርቡ ትእዛዝ ከም ዝተዋህቡ ተሓቢሩ። እቶም ኣብ ሰሙን ካብ ክልተ ጊዜ ንላዕሊ ንፍርያቶም ክሸጡ ዝተረኽቡ ሰባት መጠንቀቕታ ዘይብሉ ከቢድ መቕጻዕቲ ከም ዝቕጽዑ እቶም ንትካል ኤሪሳት ሓበሬታ ዝሃቡ ሰባት ኣረዲኦም። ብመንግስቲ ኤርትራ ዝፍለጥ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ጊዜ ዋንነት ናይ ሰብ ጸጋ ንዝኾኑ ኣባይትን ዓበይቲ ንግዳውያን ትካላትን መኽዘናትን ካብ ጥልያን ገዚእኩሞ ብዝብል ምስምስ ከም ዝወረሶ ዝፍለጥ እዩ። ካብቶም መንግስቲ ዝወረሶም ብዙሓት ትካላት ፊያት ታሌሮን፡ ሳቫና ሆቴልን፡ ኢርጋ ይርከብዎም። ስርዓት ህግደፍ ኣቐዲሙ ዋንነት ካቶሊካዊት ዝኾኑ ኣስታት 22 ትካላት ሕክምናን ኣብያተ ትምህርትን ብዘይ ኣገባብ ከም ዝወረሰ’ውን ዝዝከር ኮይኑ፡ እንሆ ድማ ሕጂ ታሕቲ ብምውራድ ንሰብ ጀርዲን ምህርቶም ዝሓፍስሉን ዝሸጥሉን ጊዜ ክሳብ ምውሳን በጺሑ ይርከብ።
ምንጪ ስእሊ :Gadmihra