ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኤርትራውያን ዝርከብዎም መንእሰያት ከም ዝተገፈፉ ተሓቢሩ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኤርትራውያን ዝርከብዎም መንእሰያት ትማሊ ቀዳመ-ሰንበት ካበየ ቦትኡ ከም ዝተገፈፉ ምንጭታት ኤሪሳት ሓቢሮም። እቶም መንእሰያት ካብ ዝተፈላለዩ መዘናግዒ ማእከላት ዝተገፈፉ ከም ዝኾኑን ሰብ ዝረኸቡን ገንዘብ ዝኸፈሉን ክወጹ ከም ዝተገብረ መሰካኽር ዓይኒ ይሕብሩ። ሎሚ ካብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝተፈትሑ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ ድማ መግቢ ስለ ዘይኣትዎም ዘሎ ብጥሜት ይሳቐዩ ከም ዘሎዉ ወሲዀም የረድኡ። እቲ ግፋ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ብስም “ወቕታዊ ጉዳይ” እዋናዊ ጉዳይ እናተብሃለ ብኣልማሚትን ብብሄር ተኰርን ዝግለጽ ግፋታት ክካየድ ምጽንሑ ተዓዘብቲ የገንዝቡ። ብፍላይ ኣብ ቃሊትን ከባቢ ተኽለሃይማኖትን ኣብ ቀዳመ ሰንበት ዝተገፈፉ መእንሰያት ብሕጽረት ዝብላዕ ይሳቐዩ ምህላዎምን መግቢ ክኣትዎም ከም ዘይፍቐድን ካብቶም ሎሚ ዝተፈትሑ እሱራት ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።