እዘን ክልቲኤን ኣሳእል ንዓውደ-ኲናት ከረን እየን ዘርእያ።እታ ሓንቲ ኣብቲ ኣብ 1941 ዝተኻየደ ዓውደ-ኲናት ሰራዊት ህንዲ ተሳቲፎም ምንባሮም ተርእይ እያ። እታ ሓንቲ ስእሊ ድማ ብመንግስቲ ጥልያን እትሕተም ዝነበረት ጋዜጣ “La DOMENICA del CoRRIERE ነቲ ዓውደ-ውግእ ዘርእይ ሓበሬታ እትገልጽ እያ።ዕለት 23 መጋቢት 1941 ተሓቲማ ዝወጸት እያ። ክቡራት ኣንበብቲ፡ብዛዕባ ዓውደ-ውግእ ከረን እንታይ ትፈልጥዎ ኣሎኹም፧ ኣፍልጦኩም ከተካፍሉና ተስፋ ንገብር።

በዚ ዝስዕብ ኢሜል ተወከሱና info@erisat.org እቲ ዓውደ-ዉግእ ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስቲ ጥልያንን እንግሊዝን ብቐንዱ ዝተኻየደ ከም ዝነበረ ማህደራት ታሪኽ ይሕብሩ እዮም። እቲ ዓውደ ኲናት 3 ለካቲት ጀሚሩ 27 መጋቢት 1941 ከም ዝተወድኣ ድርሳናት ታሪኽ የረድኡ እዮም። ንሓደ ወርሕን ሰለስተ ሰሙናትን 3 መዓልትን ምንባሩ ንምረትን ሓያልነትን እቲ ዓውደ-ኲናት የረድእ ዶ ትብሉ፧