▂▃▅▇█▓▒░ባይቶ ኖርወይ – ንጉዳይ ስግር-ዶባዊ ጭቆና ኤርትራውያን ከም ዛዕባ ኣልዒሉ ድሕሪ ምዝርራብ፣ ካብተን ዝቐረባ 5 እማመታት ነተን 4 ከም ዝነጸገን ተሓቢሩ።░▒▓█▇▅▃▂
>> እማመ #1) መንግስቲ ኖርወይ ንስግረ-ዶባዊ ጭቆና ኤርትራውያን ንምግታእ ስጉምቲ ክወስድን፣ ነቲ ዝውሰድ ስጉምቲ ተግባራዊ ዝገብረሉ መደብ ወይ Action Plan ድማ ከውጽእ፣ √ እማመ ሓደ፣ ባይቶ ኖርወይ፣ 11 እወ – 86 ድማ ኣይፋል ስለ ዘድመጹ ተነጺጉ!
>> እማመ #2) መንግስቲ ኖርወይ ነቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት መንበሪ ፍቓድ ንኽረክቡ ዘመልከትሉ መሕትት ደጊሙ ክምርምሮ፣ ናይቶም ኣብ ኖርወይ ኮይኖም ንመግስቲ ኤርትራ ዝድግፉ መንበሪ ፍቓድ ድማ ክስርዞ፣ – ጠለብ ካልኣይ እማመ፥ መንግስቲ ኖርወይ ንመስርሕ ምስራዝ ሕቶ-ዜግነት ከም ቅቡል ኣካይዳ መስሪቱ፣ ኣብቶም ካብ ኤርትራ ሃዲሞም ናብ ኖርወይ መጺኦም ከብቅዑ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ዝድግፉ ኤርትራውያን ድማ ተግባራዊ ክገብሮ ዝብል እዩ። √ እማመ ክልተ፣ ባይቶ ኖርወይ 13 እወ –86 ድማ ኣይፋል ስለ ዘድመጹ ተነጺጉ!
>> እማመ #3) መንግስቲ ኣንጻር ስግረ-ዶባዊ ጭቆና ኤርትራውያን ዲያስፖራ ኣብ ኖርወይ፣ ናይ መስርሕ ትግባረ ወይ Action plan ንድፊ ብምድላው፣ ንዝርገሐ እቲ ስግረ-ዶባዊ ጭቆና ብመልክዕ ካርታ ክምርምርን፣ ብኡ መሰረት ድማ ስጉምቲ ክወስድ፣ √ እማመ ሰለስተ – 19 እወ – 80 ድማ ኣይፋል ስለ ዘድመጹ ተነጺጉ፤
>> እማመ #4) መንግስቲ ኖርወይ እቲ ካብ ኖርወይ ናብ ሰበስልጣን ኤርትራውያንን ትካላቶምን ዝኸይድ ገንዘብ ደው ንኽብል ኣድላይ ዘበለ ስጉምቲ ክወስድ፣ √ እማመ ኣርባዕተ 41 እወ – 58 ድማ ኣይፋል ስለ ዘድመጹ ተነጺጉ!
>> እማመ #5 መንግስቲ ኖርወይ ንዝሓለፈ ጸብጻባት ክከታተል፣ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ኖርወይ ዝኾኑ ኤርትራውያን ዝፍጸም ስግረዶባዊ ጭቆና ደው ንኽብል ድማ ገታኢ ስጉምቲ ክወስድ!
√ እማመ ሓሙሽተ 77 እወ – 20 ድማ ኣይፋል ስለ ዘድመጹ – ተቐባልነት ረኺቡ። በዚ መሰረት መንግስቲ ኖርወይ ካብተን ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ዘቕረብወን 5 እማመታት፣ ነተን 4 ብምንጻግ ነቲ ኣብ ዙርያ ስግረ-ዶባዊ ጭቆና ኤርትራውያን ነበርቲ ኖርወይ ኣመልኪቱ ዘካየዶ ዋዕላ ከም ዝዛዘመ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ምንጪ ስእሊ፥ Getty