ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዝጸንሑ ኣባላት ብርጌድ ንሓመዱ ክፍትሑ ጀሚሮም። ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዝጸንሑ 7 ኣባላት ብርጌድ ንሓመዱ ትማሊ ሮቡዕ ከም ዝተፈትሑ ነቲ ጉዳይ ቅርበት ዘሎም ኣካላት ይሕብሩ። ደገፍቶምን ኣባላቶምን ዝኰኑ ብምፍታሕ እቶም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዝጸንሑ ሓጐሶም ክገልጹ ተራእዮም እዮም። ኣብ ምፍታሕ እቶም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዝጸንሑ ኣባላት ብርጌድ ንሓመዱ ኣመልኪትና ንገለ ገለ ደለይቲ ለውጥ ኣብ ዝሓተትናሉ ግዜ ሓጎሶም ብምግላጽ ነቶም ተሪፎም ዘሎዉ መዋጽኦ ክፈጥረሎም ትጽቢታቶም ኣውሲኦሙልና እዮም።

ንገለ ገለ ደገፍቲ ህግደፍ ርእይትኦም ሓቲትና መልሲ ክህቡና ፍቃደኛታት ኣይኰኑን ዘሎዉ። ኣብ ክረምቲ 2023 ኣብ ሆላንድ ዝጀመረ ምንቅስቓስ ኣባላት ብርጌድ ንሓመዱ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብልዑል ናህሪ ከም ዝተላብዐ ዝዝከር’ዩ። ምንቅስቓስ ብርጌድ ንሓመዱ ኣብ ሆላንድ ከም ዝጀመረ ነቲ ጉዳይ ዝለታተሉ ተንተንቲ የረድኡ። ካብቶም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዝጸንሑ ሓደ መንእሰይ ኣቤል ሓድሽ ነዚ ዝምልከት ሓሳብ ኣብ ማሕበራዊ መራኽቦ ቲክቶክ ዘርጊሑ ይርከብ።