ዜና ዕረፍቲ
ኣቶ በየነ ደበሳይ ኣብ መበል 86 ዓመት ዕድሜኦም ዓሪፎም። ኣቶ በየነ ደበሳይ ሓዎም ንእሱር ኤርምያስ ደበሳይን ድምጻዊት ሰናይት ደበሳይን እዮም። ኤርሚያስ ደበሳይን ሰናይት ደበሳይን ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ማለት ናብ ቤት-ፍርዲ ከይቀረቡ ስርዓት ህግደፍ ንልዕሊ ዕስራ ዓመታት ዝኣሰሮም ዜጋታት እዮም። ነፍስሄር ኣቶ በየነ ደበሳይ ንሓደ ጋዜጠኛ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፣ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ድሕነት፣ ኣብ ማዕከናት ዜና ተቓወምቲ ወጺእካ ጥራይ ኣይትዛረብ እምበር ክልቲኦም ኣሕዋትካ ካብቲ ተኣሲሮምሉ ዘለው ካልኣይ መደበር ፖሊስ ወንጀል መርመራ ክወጹ እዮም እናበሉ ነዊሕ እዋን ከም ዘታተልዎም ገሊጾምሉ ኔሮም እዮም። ይኹን እምበር ኣቶ በየነ ደበሳይ፣ ገጽ እቶም ኣዝዮም ዝናፈቕዎም ክልተ ኣሕዋቶም ከይርኣዩ ምስ መሪር ናፍቖቶም ኣብ መበል 86 ዓመቶም ካብዛ ዓለም ብምፍላዮም ንሕልፈቶም ድርብ ሓዘን ይገብሮ። ተሌቭዥን ኤሪሳት ብሕልፈት ኣቶ በየነ ደበሳይ ንዝተሰምዓ መሪር ሓዘን እናገለጸት ንመላእ ስድራ ቤት ምሉእ ምጽንናዕ ትምነ።