ቅድሚ ትሽዓተ ወርሒ፣ ኣብ ጊሰን ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዘዳለዎ ፌስቲቫል፡ ኣብ መንጎ ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍን ደለይቲ ፍትሕን ከቢድ ናዕቢ ኣጋጢሙ ከም ዝነበረ ዝዝከር ኰይኑ፣ ፓሊስ እታ ኸተማ ኣብ ዙርያ እቲ ዘጋጠመ ናዕብን ጎነጻዊ ግጭትን፣ ጊዜ ዝወሰደ ዓሚቕ መርመራ ከም ዘካየደ ተሓቢሩ። ኣብቲ ዝተኻየደ መርመራ ፖሊስ ብምኩራት ኣለለይቲ ጥራይ ዘይኰነ እንተላይ ብሰብ ዝሰርሖ ብልሒ ተሓጊዞም ረቂቕ ናይ ምርመራ መጽናዕቲ ከም ዝገበሩ’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። በዚ መሰረት፣ እቲ ኣብ ዙርያ ናዕቢ ፈስቲቫል ጊሰን ኣመልኪቱ ዝተኻየደ ረቂቕ መጽናዕታዊ መርመራ፣ ንፖሊስ ጀርመን ዓብዪ ትምህርቲ ዝሃበን ግብራዊ ተመክሮ ዘቕሰመ ስራሕ ተባሂሉ ድሕሪ ምስማይ ተዛዚሙ ይርከብ።

ዋና ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ማእከላይ ሄስ፣ ብመሰረት ዘካየዶ ዓሚቕ መጽናዕቲ፣ 679 ጥርጡራት ኣለልዩ፡ ካብኣቶም ነቶም 457 ናይ መርመራ መስርሕ ከፊትሎም ኣሎ። በዓል ስልጣን ቆጸራ ገበናት፡ ኣብቲ ኣብ ዓመተ 2023 ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ኣብ እዋን መርመራ፣ ሱፐር ሪኮግናይዘርስ (Super Recognizer) ማለት ገጻት ናይ ምልላይ ሓያል ክእለት ዘለዎም ሰባት ከም ዝተጠቕሙ ሓቢሩ ነይሩ እዩ። እዞም ዕሉማት ኣለለይቲ ዝኾኑ ሰባት፣ ካብ ማእክል ብዙሓት ሰባት ነቶም መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ንዝለበሱ ሰባት ከይተረፈ ፈልዮም ከለልዩ ዝኽእሉ እዮም። ብተወሳኺ፥ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ ኣዋርሕ እቶም መርመርቲ፡ ንሰብ ዝሰርሖ ብልሒ (ኣርተፌሻል ኢንተለጀንስ) ተጠቒሞም ንኣሽሓት ሰዓታት ዝቐጸለ ቪድዮታት ክግምግምዎ ክኢሎም እዮም። እቲ ተረኺቡ ዘሎ ዉጺኢት ምርመራ ብመንጽር ቁጽሪ እንተተራእዩ ጎሊሑ ዝርኣይ ንጹርነት ኣለዎ። ንኣብነት ኣብ ወርሒ መስከረም ጥራይ ኣብ ልዕሊ 300 ጥርጡራትን 181 መርመራታት እዩ ተኻይዱ። ወሃቢ ቃል ፖሊስ፣ ንጋዜጣ F.A.Z. ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ነዚ ዝተገልጸ ሶፍትዌር ምጥቃም ንብዙሕ ሰዓታት ኣድካሚ ቪድዮታት ካብ ምርኣይ ከም ዘድሓኖምን ነቲ ናይ መርመራ መስርሕ ከምዘቀላጠፎን ገሊጹ።