ዜና ዕረፍቲ ገዲም

ሙዚቀኛ ኢብራሂም ማሕሙድ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ። ኣብ ሽወደን ከተማ ስቶክሆልም ነባሪ ዝነበረ-ገዲም ሙዚቀኛ ኢብራሂም ኣሕሙድ ከም ዝዓረፈ ካብ መቕርቡ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ። ኢብራሂም ማሕሙድ ሕያዋይ፥ ወትሩ ፍሽኽ በሃልን ግዱስን ምንባሩ ፈለጥቱ ይምስክሩ። ምስ ሓደ ኣባልና ቕድሚ 12 ዓመት ካብ ዘዕለልዎ ወግዕታት ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ሒዝናልኩም ክንመጽእ ኢና። ንስኹም ድማ ዝኽርታትኩም ይኹን ትፈልጥዎ ከተካፍሉና ትኽእሉ ኢኹም።